ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፤ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ርክብ ኣካዪዱ

Radio Erena: Sunday, 24 September 2023

መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን፤ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ርክብ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ፤ ናብ ካናዳ ኣብ ዝጎዓዘሉ ዝነበረ እዋን፤ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ዕረፍቲ’ዩ እቲ ርክብ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ብቀዳም 23 መስከረም ዝተኻየደ ርክብ፤ ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ናይ ሓባር ጸላኢኦም፤ ሩስያዊ ዋግነር ግሩፕ ከምዝተመያየጡ፤ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ንጸጥታ ብዝምልከት ዝተኻየደ ሓጺር ርክብ፤ፕረዚደንት ዘለንስኪ፤ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጎድኒ ዩክረይን ደው ምባሉ ከመስግን እንከሎ፤ ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፤ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ናይ ጸጥታን ቁጠባን ምትሕግጋዝ ክሰፍሕ ጸዊዑ።

ብካልእ ወገን ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ናብቲ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝተማእከለ ዘተ ሰላም እንተተመሊሱ፤ ኣብ ሱዳን ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኣሎ ኢሉ።

ንሱ ኣብ መደርኡ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ብእዋኑ ከምዝዓርፍ እንተዘይገይሩ፤ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ልሒሙ፤ ነቲ ዞባ ናብ ናይ ኲናት ዓውዲ ክቕይር ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ብጎረባብቲ ሃገራት ዝድገፉ ሓይልታት ይኣትዉና ኣለዉ ክብል ዝኸስስ ኣል ቡርሃን፤ ነየኖት ሃገራት ይኸስስ ከምዘሎ ብቃልዕ ኣይገለጸን።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0