‘ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፤ ብህዝቢ ዝተዋህቦ እምነት ክሒዱ’: ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት

Radio Erena: Sunday, 24 September 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፤ ብህዝቢ ዝተዋህቦ እምነት ክሒዱ፤ ክብሉ ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ከሲሶም።

እቶም ተቓወምቲ ውድባት ብ22 መስከረም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፤ ‘ሰልፊ ብልጽግና፤ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት በደላት ይቕሬታ ንሓትት እኳ እንተበለ፤ ተመሳሳሊ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፍጽም ኣሎ’ ክብሉ እዮም ዝኸሱ።

‘ብኣልማማ ህዝቢ ምርሻን፤ ህዝቢ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደው ይበል፤ ከምኡ’ውን ህዝቢ ብጃምላ ምእሳር ደው ይበል’ ክብሉ እቶም ውድባት ብተወሳኺ ጸዊዖም።

ፈደራላዊ መንግስቲ ብሓይሊ ብረት ምሕሳብ ኣቋሪጹ፤ ፍልልያት ብዘተ ክፈትሕ ዝጠለቡ ተቓወምቲ፤ ቤት ትምህርታትን ናይ ስልጠና ትካላትን ከም ወተሃደራዊ መዓስከራት ምጥቃም ከቋርጽ ጸዊዖም።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሄር ዝሰረቱ ግጭታት ተጎሃሂሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፤ ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ጸጥታን ድሕነትን ህዝቢ ኣብ ምኽባር ከቢድ ብድሆ ገጢሙዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0