ወሰኽ ተጠቃምነት ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ ብትሕቲ ዕድመ ከምዘተሓሳሰቦ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: Wednesday, 20 December 2023

ውድብ ጥዕና ዓለም 88 ሃገራት ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ ዝዕደገሉ ገደብ ዕድመ ከምዘይብለንን 74 ሃገራት ድማ ንዕኡ ዝምልከት ዝኾነ ይኹን መምርሒ ከምዘይብለን ኣተሓሳሲቡ።

‘ህጻናት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ ንኽጥቀሙ ይምልመሉ’ለዉ’ ዝበለ ዶር ኣድሓኖም እዚ ድማ ንዝተወሰነ መጠን ኒኮቲን የቃልዖም ከም ዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ሃገራት ስጉምታት ክወስዳን ናይ ዕድመ ገደብ ዝገብር ሕግታት ከተኣታትዋን ጸዊዑ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 13 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ካብ ዓበይቲ ብዝለዓለ መጠን ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ ከምዝጥቀሙ መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ቁጽሪ ተጠቀምቲ መንእሰያት ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ክሕብር ከሎ፣ እቶም ፍርያት ካርሲኖጀኒክ ዝተባህለ ንጥረ ነገር ዘመንጩዉ ስለ ዝኾኑ፣ ንሓደጋ ጸገማት ልብን ሳንቡእን ዝውስኽን ንዕብየት ሓንጎል ክጸልዎ ከም ዝኽእልን ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኢንዱስትሪ ትምባኾ፣ ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ ጉድኣቱ ዝሓሸ ምዃኑ ንምምጓት ናይ ሓሶት መርትዖታት ከም ዝምውልን ከም ዘስፋሕፍሕን ብምጥቃስ፣ ሃገራት ነዚ ንምውጋድ ብትግሃት ክሰርሓሉ ዶር ኣድሓኖም ተላብዩ።

ኤለክሮኒካዊ-ሽጋራ፣ ዋላኳ ካብቲ ካብ ስሩዕ ሽጋራ ዝመጽእ 7,000 ጎዳእቲ ኬሚካላት ዝወሓደ መርዛማት ኬሚካላት ዝሓዘ ይኹን፣እዚ ግን ኣይጎድእን’ዩ ማለት ኣይኮነን ክብል ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።

ኤሌክትሮኒካዊ ሽጋራ ከም ኒኮቲን፣ ከም ሊድ ዝኣመሰሉ ብረታትን መንሽሮ ዘስዕቡ ነገራትን ይሕዝ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0