ብቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ ንግዳዊ መራኽብ ካብ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምክልኻል፣ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ባሕሪ ቆይሙ

Radio Erena: Wednesday, 20 December 2023

ጸሓፊ ሚኒስተር ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ብቀይሕ ባሕሪ ንዝጓዓዛ ንግዳዊ መራኽብ ካብ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሑቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ባሕሪ ከምዝቖመ ኣፍሊጡ።

“ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ንናጻ ዋሕዚ ንግድን ባሕረኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ’ዩ” ክብል ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ።

እዚ ዓለማዊ ብድሆ እዩ ዝበለ ኦስቲን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዑ።

ኣብቲ ኣስታት 12% ንግዲ ዓለም ዝሽፍን መስመር መጥቃዕቲ ምግባር ንዓለምለኻዊ ቀረብ ኣቑሑትን ጸዓትን ብኸቢድ ዝሃሲ ምዃኑ ውን ኣስሚርሉ።

ኦስቲን ኣብቲ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ዝሳተፋ ሃገራት – ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ባሕሬን፣ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ኢጣልያ፣ ሆላንድ፣ ኖርወይ፣ ሲሸልስን ስጳኛን ከምዝኾና ገሊጹ።

ኣብ ትሕቲ ጽላልን መሪሕነትን ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ዝተመስረተ ጉጅለ ውሁድ ሓይልታት ባሕሪ፡ ማለት ሓይሊ ዕማም 153 ክካየድ እዩ።

ብመሰረት ካብ ምምሕዳር ባይደን ዝተረኽበ ሓበሬታ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ኣብ ክንዲ ዝምስረት፡ ነቲ ዝጸንሐ ውሁድ ሓይሊ ዕማም 153 ተጠቒሙ፡ ኣብ ጥቓ የመን ንዝጓዓዛ ንግዳዊ መራኽብ ንምክልኻልን ናብ ሑቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋር ኢራን ንምኽልካልን፣ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ጻዕሪ ክህነጽ ይግባእ ይብል።

ንድሕነት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ከውሕስ ዝተመስረተ ሓይሊ ዕማም 153፣ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምራሕ ሓድሽ ተበግሶ ኮይኑ፣ ኣብ 2022 ዝተመስረተ እዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ ድሕነት ባሕርን ጻዕርታት ህንጸት ዓቕምን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ባብ ኣል-ማንደብን ወሽመጥ ዓደንን ኣተኲሩ ድማ ይሰርሕ።

ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ሑቲ ዘስግኦ ኩባንያ ቢፒ ፒኤልሲ ንኹሉ ብቐይሕ ባሕሪ ዝግበር ንግዲ ደው ከምዘብሎ ድሕሪ ምግላጹን ኖርወጃዊ ኩባንያ ጸዓት ኢኲነር ኤኤስኤ ድማ መራኽቡ ካብቲ ዞባ ከምዘርሕቕ ድሕሪ ምግላጹን ዋጋ ነዳዲ ትማሊ ሰኑይ ወሰኸ ከምዘርኣየ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣንያ ክሳብ ክሳብ 3.9% ወሰኽ ኣርእዩ።

ኣብ መንጎ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝካየድ ንግዲ ንምስልሳል ተፈጥሮኣዊ ፈሳሲ ጋዝ ዝጸዓና መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ብቀይሕ ባሕርን ካናል ሱኤዝን ኣቢለን እየን ዝጓዓዛ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝግለጽ ሑቲ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ንእትፍጽሞ ዘላ ኣልማማ መጥቃዕቲ ንምቅዋምን ንህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እስራኤል ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ፈቲኑ’ዩ።

ብፍላይ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን መራኽብ፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝመላለሳሉ እዋን፣ ብድሮንን ሚሳይላይን ከጥቅዕን ንገሊአን ድማ ክዓግትን ‘ዩ ዝርአ።

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ናይተን ምስ እስራኤል ምትእስሳር ኣለወን ዝበለን መራኽብ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0