ኣዲስ ኣበባ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ተኣሲሮም

Radio Erena: Thursday, 21 December 2023

መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጀሚርዎ ዘሎ ግፋን ማአሰርቲን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ብሕጋዊ መንገዲ፡ ብነፈርቲ ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ኤርትራውያን’ውን ይጽንብር ምህላዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

‘ካብ ኣስመራ፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዬጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወት ኣብ ክሊ ዕድመ 30ታት እትርከብ መቕርበይ፡ ኣብ መንገዲ ተገፊፋ ክሳብ ዝጻረ ተባሂላ ተታሒዛ ኣላ’ ዝበለ፡ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ምንጪ፡ ዕላማ ‘ቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘነጻጸረ ግፋ ንጹር ዘይምዃኑ ጠቒሱ።

እታ መንእሰይ፡ ኣብ ከባቢ መብራት ሃይል ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ፤ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ተታሒዛ ምህላዋ ዝሓበረ ‘ቲ ምንጪ፡ ካብ ትግፈፍ ሰሙን ሓሊፉ ዛጊት ከምዘይወጸት ኣነጺሩ።

እቲ ምንጪ ብተወሳኺ፡ ብዛባዕባኣን ተመሳሳሊ ጉዳይ ዘለዎም ካልኦት ኤርትራውያንን ብዝምልከት፡ ነቶም ብሕጋዊ መንገዲ ዝመጹ ኤርትራውያን ደሃዮም ክገብር ንምሕታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ቴሌፎን ከምዝደወሉን፤ ዝረኸብዎ መልሲ ግና ከምዘይነበረን ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣልማማ ግፋን ማእሰርትን፡ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሓይልታት ጸጥታን ኣባላት ፖሊስን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቲ ኩነታት ብምምዝማዝ፡ ካብ ኤርትራውያን 10ታት ኣሽሓት ብር ብመልከዕ ጉቦን ብላዕን ይወስዱ ምህላዎም’ውን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ ንሳልሳይ ሰሙኑ ቀጺሉ ዘሎ ግፋ፡ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎን ዘይብሎም ኣማኢት ኤርትራውያን ተኣሲሮም ከምዘለዉ ‘ዩ ዝግለጽ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0