ወለዲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ ሶማላውያን፣ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 29 January 2023

ወለዲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ሶማላውያን፣ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ርክብ ኣካዪዶም።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንወከልቲ’ቶም ወለዲ ኣብ ዘዛራረበሉ፣ እቶም ካብ ኤርትራ ምስ ተመልሱ ናብ ሰራዊት ዘይተጸምበሩ፣ ግቡእ ናይ ምጥያስ መስርሕ ክግበረሎም እዩ ኢሉ ቃል ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ናብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ብምስጢር ዝተላእኩ ኣስታት 5 ሽሕ መንእሰያት ሶማል፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንገለ ካብኣቶም ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ገይሩ እዩ።
እንተኾነ እቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዘለዉ መንእሰያት፣ ቁጽሮም ይኹን ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ግዜ፣ ብንጹር ኣይተሓበረን።
ኣብቲ ብዓርቢ 27 ጥሪ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተኻየደ ርክብ ወከልቲ ወለዲን ፕረዚደንትን፣ ካብቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መንእሰያት ብቐጥታ ናብ መሳርዕ ሰራዊት ከምዝተጸምበሩ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሓቢሩ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2022 ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ጀሚሩ፣ ክልተ እዋን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ’ቶም ተዓለምቲ መንእሰያት ርክብ ከካዪድ ከሎ፣ ኣመሪካ ንእትርከበን ሃገራት ምዕራብ ከኣ እቶም መንእሰያት ናብ ዓዶም ክምለሱ ሓገዝ ሓቲቱ እዩ።
መንግስቲ ሶማል፣ ንጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ዘካዪዶ ዘሎ ተኸታታሊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፣ ዓወታት ይጎናጸፍ ከምዘሎ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝተዓለሙ መንእሰያት ዓቢ እጃም ከበርክቱ እዮም ክብል ኣብቲ ምስ ወከልቲ ወለዲ’ቶም መንእሰያት ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0