ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ናብ ቦትስዋና ንምብጻሕ ዝነበሮ መደብ ብምስራዝ፣ ብሃንደበት ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 January 2023

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ናብ ኤርትራ ዘላገሰ፣ ናብ ቦትስዋና ንምብጻሕ ዝነበሮ መደብ ምስ ተሰረዘ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝጀመረ ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ናብ ንግስነት ኤስዋቲኒን ኣንጎላን ብምብጻሕ፣ ብ26 ጥሪ፣ ናብ ኤርትራ ብምእታው’ዩ ዛዚምዎ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ኣቐዲሙ ብዝሓዞ መደብ መሰረት፣ ናይ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ቦትስዋና ከምርሕ’ዩ እናተባህለ፣ ነቲ መደብ ብምስራዝ ብሃንደበት ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ከምዝወሰነ፣ ምስ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ዲፕሎማሲ ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ልኡኽ ሩስያ ናብ ቦትስዋና ከካይዶ ዝወጠኖ ምብጻሕ ዝሰረዘሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ናይ ካልኣይ ክፋል ዑደቱ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ለካቲት ከካይድ ትጽቢት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ናብ ሞሮኮ፣ ቱኒዝያን ሞሪታንያን ክበጽሕ ምዃኑ ኣሚቶም።

እቲ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ዑደት ናብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ከተኩር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ፣ ሞሮኮ T-72 ዝዓይነተን 20 ዘመናውያን ታንክታት ንዩክሬይን ብሓገዝ ከምሃበት ኣብ ዝቃልሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሞሮኮ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንዩክሬይን ወትሃደራዊ ድጋፍ ዝገበረት ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ።

ሩስያ፣ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣተኩራትሉ ዘላ ምሕዝነት፣ ካብ ንግድን ምትሕግጋዝ ቁጠባን ንላዕሊ፣ ኣብ ጽልዋ ዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካን ወትሃደራዊ ሽርክናን ዘድሃበ’ዩ።

ዑደት ሚኒስተር ላቭሮቭ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንመራሕተን ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ዝካየድ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን ወግዓዊ ዕድመ ንምክያድ ዘንቀደ’ዩ።

ሩስያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዋዕላ ንምክያድ ትዳሎ ዘላ፣ ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ’ቲ ብኣመሪካ፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተጋብአ ተመሳሳሊ ኣኼባ’ዩ።

ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022፣ ዝተጋብአ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ፕረዚደንት ባይደን፣ ናብ ልዕሊ 45 መራሕቲ ናይዛ ኣህጉር ወግዓዊ ዕድመ ክልእኽ እንከሎ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ኣርባዕተን ግና ከምዝገለሎም ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ባይደን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ካብቲ ኣብ ቁጠባ፣ መንእሰያት፣ ምሕደራን ካልእን ዘተኮረ ዋዕላ ዝገለሎ፣ ብከቢድ ምግሃስ መሰል ደቂሰብ ብምውቃስ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ ሩስያ፣ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፍ ወግዓዊ ዕድመ ብምስዳድ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ናብ ኤርትራ ልኢኻ።

ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ዋዕላታት ዘይሳተፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንናይ ፕረዚደንት ፑቲን ዕድመ ብምኽባር ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ድዩ ኣይክሳተፍን ግና ኣይተነጸረን።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንዝኸፈተቶ ኵናት ንምዅናን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸውዖ ኣኼባ፣ ኤርትራ ካብተን ተቓውሞአን ዝገለጻ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ’ያ።

ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ብምጥቃስ፣ ካብተን ደገፍ ይኹን ተቓውሞ ካብ ምሃብ ዝተቖጠባ ሃገራት ክትከውን እንከላ፣ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ድማ ፣ ወትሃደራዊ ልምምድ ሩስያን ቻይናን ኣብ ክሊ ማያ ክካየድ ፈቐዲ ኣላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደቱ ናብዘን ሃገራት ምትኳሩ ድማ ካብ ናይ ፖለቲካ ሽርክና ወጻኢ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሉ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩስያን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፣ ዓመታዊ ካብ 20 ሚልዮን ዶላር ከምዘይሓልፍ ናይ 2021 ጸብጻብ ኣብነት ብምቕራብ፣ መርበብ ሓበሬታ ትሬዲንግ የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0