ህዝባዊ መጎዓዝያ ምድሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማታት ትግራይ ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 29 January 2023

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህዝባዊ መጎዓዝያ ምድሪ ናብ ከተማታት ትግራይ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ መጎዓዝያ’ታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መጎዓዝያ ምድሪ ንክጅመር ዘድልዩ ቅጥዕታትን መምርሒታትን ወጺኦም ምህላዎም ብምሕባር፣ ሚኒስተር ሰላም ነቲ መምርሒ ኣብ ዘጽደቐሉ እዋን ህዝባዊ መጎዓዝያ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ከም ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ባንክን መጎዓዝያ ነፈርትን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ኣቐድም ኣቢሎም ምጅማሮም ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዘጸኦ ሕጊ፣ ካብቲ ክልል ክወጽእ ንዝደልይ ተወላዲ ትግራይ ናይ ዕድመ ገደብ ገይሩሉ እዩ።
ኣገልግሎት መጎዓዝያ ምድሪ ዝጅመረለን ከተማታት፣ መቐለ፣ ኣኽሱምን ሽረን ከምዝርከበአን፣ ኣብቲ ብዓርቢ 27 ጥሪ ዝወጸ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።
ብካልእ ወገን፣ ናብ ኢትዮጵያ ዝለኣኽ ዘሎ ረዲኤት፣ ብግቡእ ይመቓራሕ የሎን ክብሉ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክልላትን መረረኦም ኣስሚዖም።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ዝተረኽቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዝልግሶ ዘሎ ረዲኤት ዝበዝሐ ክፋሉ፣ ንክልል ትግራይ ዝዓለመ ብምዃኑ፣ በዚ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ዝተጎድአ ካልእ ዞባታት፣ ግቡእ ጠመተ ኣይረክብን ኣሎ ኢሎም።
ብፍላይ ካብ ምምሕዳራት ዓፈርን፣ ኣምሓራን ዝተሳተፉ ወከልቲ፣ ብዘይካ’ቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ሰባት፣ ካብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝመጹ ስደተኛታት እውን ኣብ መዓስከራት ተዓቚቦም ከምዝርከቡ ብምዝኽኻር፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣቓልቦ ክገብረሎም ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0