ኮንጎ ብራዛቪል፣ ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሳሶ ንጌሶ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ምርጫ ክወዳደር’ዩ

Radio Erena: 22 December 2020

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዎ መራሕቲ ሓደ ዝኾነ፣ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ደኒ ሳሶ ንጌሶ፣ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ምርጫ’ውን ክወዳደር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ 1979 ክሳብ 1992 ድሒሩ ድማ ካብ 1997 ክሳብ ሎሚ፣ ብድምር ን36 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ፣ ዝመጽእ ዓመት ተወዳዲሩ፣ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ከምዝደሊ ዘፍልጥ ዘሎ፣ 17 ሰልፍታት ብልፍንቲ መሪሑወን ክወዳደር ስለዝደገፍኦ ምዃኑ ገሊጹ።

ሳሶ ንጌሶ፣ ዕድመ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ ካብ 70 ክሓለፍ ከምዘይብሉን፣ ገደብ ስልጣን ድማ ክልተ ናይ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት እብረ ምዃኑ ዝድርትን ቅዋም፣ ኣብ 2015 ከምዝቐየሮ ይፍለጥ።

ወዲ 77 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕርዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ካብ ሓያሎ ኣነስቲ ዝወለዶም ብውሕዱ 11 ቆልዑ ከምዘለውዎን፣ ንደቁ ኣብ ሓያሎ ላዕለዋይ ስልጣን ሃገር ከምዘዋፈረን’ዩ ዝንገረሉ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ፕረዚደንት፣ በዓልቲ ቤቱን ቤተ ሰቡን፣ ኣብ ፓሪስን ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ገዛውቲ፣ መጋየጺ መካይንን ካልእ ንብረትን ከምዝውንኑ ይፍለጥ።

ብወግዓዊ ኣጸዋውዓ፣ ሪፖብሊክ ኮንጎ እናተባህለት እትፍለጥ፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ኮንጎ ብራዛቪል፣ ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ’ዩ ዘለዋ።

እዛ ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን እተፍሪ ሃገር፣ ዝበዝሐ ካብ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝርከብ ወይ መዓልታዊ ትሕቲ 2 ዶላር ኣታዊ ዘለዎ ምዃኑ ጸብጻብ ባንክ ዓለም የመልክት።

ኣብ ኣፍሪቃ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዎ ሸሞንተ መራሕቲ፣ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ሳሶ ንጌሶ፣ ፕረዚደንት ካሜሮን፣ ፖል ቡያ፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያን ንጌዋ ባሳጎ፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ፕረዚደንት ቻድ፣ ኢድሪስ ደቢን ፕረዚደንት ርዋንዳ፣ ፓል ካጋመን’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0