ሶማል፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዒላማ ኣብ ዝገበረ መጥቃዕቲ፣ ሓደ ጀነራል ዝርከቦም ሓያሎ ወትሃደራውያን መኮንናት ተቕቲሎም

Radio Erena: 22 December 2020

ኣብ ሶማል፣ ዞባ ጋልካዮ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቅዕቲ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ተገሊጹ።

ህዝቢ ነቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣቝጺሩ ዘሎ መራሒ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር፣ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ከካይድ ምዃኑ ምስ ተፈልጠ’ እቲ ስርሒት ተዋዲዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ስታድዮም መደረ ከስምዕ’ዩ ስለዝተባህለ፣ ህዝቢ ናብቲ መእከቢ ቦታ ንምእታው፣ ብ18 ታሕሳስ ተሰሪዑ ኣብ ዝነበረሉ፣ ነታጕ ዝዓጠቐ መንእሰይ ርእሰ ቅትለታዊ ብምፍጻም፣ ሓደ ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎ ዝርከቦም ብውሕዱ ሓሙሽተ መኮንናትን ካልኦትን ቀቲሉ።

ይኹን’ምበር ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ’ዩ ኔሩ ዝተባህለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ እዋን’ቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቦታ ኣይነበረን።

ኣልሸባብ ነቲ ስርሒት ከምዝሃንደሶ’ዩ ተገሊጹ።

ሶማል፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ጎረቤታ ኬንያ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ኣመሪካ’ውን ሰራዊታ ካብታ ሃገር ክትስሕብ ምውሳና፣ ኣልሸባብ ንኸስፋሕፍሕ ተወሳኺ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1