ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፣ “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ተዓዊት

Radio Erena: December 2020

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክለብ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቪንስ፣ ቢንያም ግርማይ፣ “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ተሰይሙ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ቢንያም ግርማይ ከምኡ’ውን፣ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ክለብ ኩቤካ-ኣሲስ፣ ያቆብ ደበሳይ ካብ ክለብ ኒፖ ዴልኮ ዋን ፕሮቪንስን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ክለብ ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ-ሲደርሜክን ዝርከብዎም 10 ተቐዳደምቲ፣ ንሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ 2020” ከም ዝተሓጽዩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እቲ ውጽኢት ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝተገልጸሉ፣ ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ቀዳማይን ካልኣይን ብምኻን ተዓዊቶም።

ርዋንዳዊ ሞይሰ ሙጊሻ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ቅድሚ ሕጂ ነዚ ክብሪ’ዚ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012፣ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፣ ተስፎም ዑቕባማርያም ኣብ 2016 ተዓዊቶሙሉ ኔሮም።

ንሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ” ድምጻ እትህብ ሽማግለ፡ ብኣቦ መንበርነት 5 ግዜ ተሸላሚ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ዝኾነ ፈረንሳዊ በርናርድ ሂናውልት እትምራሕ ኮይና፡ ኣሰልጠንቲ፡ ዳይሬክተራት ስፖርት፡ መራሕቲ ጋንታን፡ ኣፍሪቃውያንን ኤውሮጳውያንን ጋዜጠኛታትን ይርከብዋ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0