ኡጋንዳ፣ ኣቦን ወዲን ዝመርሕዋ ሃገርን ዝእዝዝዎ ሰራዊትን

RADIO ERENA – Thursday, 28 March 2024

38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ፣ ወዲ 80 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ንወዱ፣ ሜጀር ጀነራል ሙሆዚ ካይነርጉባ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን ሸይምዎ።

እቲ ኣቐዲሙ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪን ኣብ ሓለዋ ቤተ ምንግስቲ ዝዋፈር ሰራዊትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስልጣን ዝጸንሖ፣ ሜጀር ጀነራል ካይነርጉባ፣ ነቡኡ ብምትካእ መራሒ እታ ሃገር ንምዃን መደብ ከምዘለዎዩ ዝንገር።

እቲ ወዲ 49 ዓመት ጀነራል፣ ኣብቲ ትዊተር ብዘመሓላልፍኦ ዝነበረ መልእኽታት፣ ኣብቲ ኣብ 2026 ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር፣ ክወዳደር ምዃኑውን ኣንፊቱ ኔሩዩ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ ንኡጋንዳ ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ነቲ ናብ ምርጫ ዝወዳደር ሕጹይ ዜጋ እታ ሃገር ክህልዎ ዝግባ ዕድመ ዝድርት ዓንቐጽ ቅዋም ብምስራዝዩ፣ ክሳብ 80 ዓመት ዕድምኡ ናብ ስልጣን ክቕጽል ክኢሉ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ስማዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ምርጫ፣ ን38 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ጥራይ እናተዓወተ ክመጽእ ብምጽንሑ፣ ኣብ 2026′ውን ወይ ንሱ ባዕሉ ወይ ድማ ላዕለዋይ ወትሃድራዊ ኣዛዚ ተሸይሙ ዘሎ ወዱ ክዕወቱ ምዃኑዩ ዝግመት።

ሙሴቬን ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሙኡ፣ ብእርጋንን ሕማምን እንተዘይተሰኒፉ፣ ስልታኑ ናብ ወዱውን ከምዘየሰጋግሮዮም ሓያሎ ወጋናት እታ ሃገር ዝትንትኑ።

ምስ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምንጽጻር፣ ኣብ ተዛማዲ ሰላምን ርግኣት እትርከብን ኡጋንዳ፣ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ከተረጋግጽ ብዘይምኽእላ፣ ንመጻኢ ጠንቂ ግጭትን ዕግርግርን ከይትከውን ዝሰግኡውን ኣለዉ።

ኡጋንዳ፣ ልዕሊ 25 ሽሕ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1.6 ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቝባ ትርከብ።

መብዛሕቶም ኣብዛ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ወፍሪን ንግዲን ዝነጥፉ ኮይኑ፣ ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምስጋር መስርሕ ዝጽበዩውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ፣ ኡጋንዳ፣ ተበታቲኖም ናይ ዝርከቡ ስድራቤታት ኤርትራ መራኸቢትን ከም መርዓንን ካልእን ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ውራያት ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝእንገደላን ሃገር እናኾነትያ ትመጽእ ዘላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0