ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ግጭታት ዳግም ተጎሃሂሩ

Radio Erena: Tuesday, 07 November 2023

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ብተዛማዲ ተረጋጊኡ ኣብ ዝጸንሐ ብዙሕ ከባቢታት ዳግም ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ይግለጽ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዞባታት ሰሜን ሸዋን ምዕራብ ጎጃምን፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ዳግም ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ምልውዋጥ ቶዅሲ ኣብ መንጎ ሚሊሻታት ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን፣ ናብ ዝበኣሰ ዓሪጉ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ከበድቲ ብረት’ውን ዝተሓወሶ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ይሕበር እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌፎንን እቲ ከባቢ ስለዝዓጸዎ፣ ብዝርዝር ንፍላጡ ከምዘይተኻእለ’ዩ ዝጥቐስ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር።

ኣብቲ ክልል፣ ናይ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ፣ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ የካይድ ከምዘሎ ዝገለጸ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብወገኑ፣ ብዛዕባ ህሉው ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ሰብኣዊን ኩነታት ብዝምልከት ካብ ዜጋታቱ ይኹን ማሕበር ሰብ ዓለም ክኽውሎ ይጽዕር ከምዘሎ ይውቐስ።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ብውዕል ሰላም እኳ እንተኽተመ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተላዕለ ውጥሪ ናብ ከቢድ ግጭት ከምዝዓረገ ኣይርሳዕን።

ስእሊ፡- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0