ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተወሳኺ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ የጠንቅቕ

Radio Erena: Tuesday, 07 November 2023

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ናይ ሮኬትን ድሮናትን መጥቃዕቲ ከካይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ብእምነት ምስልምና ሺዓ ዝምራን፣ ሚዛን ወትሃደራዊ ሓይሊ የመን ተቖጻጺሩ ዘሎን ሑቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ሰለስተ ናይ ድሮን ደብዳብ ከምዘካየደን ሓያሎ ሮኬታት ከምዝወንጨፈን ብምርግጋጽ’ዩ፣ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ዝገልጽ ዘሎ።

ሑቲ ወንጪፈዎ ዝበሎ ሚሳይላትን ይኹን ደብዳብ ድሮን፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘስዓቦ ጉድኣት ኣይተሓበረን።

እንተኾነ፣ እስራኤል ካብቲ ኣብ ሰንዓ ዝመደበሩን፣ ንዝበዝሓ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ተቖጻጺሩ ዝርከብን ሑቲ ክመጽእ ንዝኽእል መጥቓዕቲ ንምምካት፣ ሚሳይላት ዝዓጠቓ ጀላቡ ናብቲ ክሊ ማይ ልኢኻ ኣላ።

እተን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን፣ ብመንገዲ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እስራኤል፣ ካብ ኤላት፣ ተዋፊረን ዘለዋ ወትሃደራውያን ጀላቡ ምስተን ኣቐዲመን ኣብቲ ክሊ ማይ ዝርከባ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ ብምውህሃድ ክሰርሃ ምዃነን ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ፣ ኣቐዲማ፣ ካብ የመን ንዝተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሃሪማ ከምዘውደቐት ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ፣ ሕነ ናይቲ እታ ሃገር ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ጽዑቕ ደብዳብን ወትሃደራዊ ስርሒታት’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0