መራሕቲ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተመያይጦም

Radio Erena: Tuesday, 07 November 2023

ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳል ቫኪር ሚያርዲት፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳን ተመያይጡ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ሱዳንን ኣብ ጂዳ ዝካየድ ዘሎ ዘተን ተኽእሎ ምኽታም ስምምዕ ሰላምን ከም ቀንዲ ዛዕባ ከምዝዘተይሉ መርበባት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023፣ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፣ ኣብ ካይሮ ከምዝወደበ ይዝከር።

እዚ ሎሚ ዝተኻየደ ርክብ መራሕቲ ግብጽን ደቡብ ሱዳንን’ውን ተመሳሳሊ ኮይኑ፣ ብፍላይ ነዘን ክልተ ሃገራት ምስ ሱዳን ኣብ ዘለወን ሓባራዊ ረብሓ ዘተኮረ ‘ዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ርክብ፣ ንሱዳን፣ ግብጺን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ደቡብ ሱዳን እትሕዞ መርገጺን ከምኡ ድማ ኣብ ምንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝህሉ ምትሕግጋዝን’ውን ከምዝተላዕለ ዘ ሚድል ኢስት ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ።

ፕረዚደንት ኪር፣ ብ06 ሕዳር ናብ ካይሮ ዘምርሐ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሑ ሓይልታት፣ ንዝበዝሐ ክፋል ዞባ ዳርፉር ከምዝተቖጻጸሩ ኣብ ዘፍለጥሉ ዕለት’ዩ።

ኣብ ጂዳ ዝጋባእ ዘሎ ዘተ ሰላም ሱዳን፣ ዛጊት ውጽኢቱ ኣይተሓበረን።

ዘተ ዳግማይ ካብ ዝጅምር ሰሙኑ ሓሊፉ እኳ እንተሎ፣ ክልቲኦም ተጻጸርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ኣብ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም፣ ኵናት ይቕጽል’ዩ ዘሎ።

ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝርከባ ከተማታት ኒያላ፣ ዘሊንጂ፣ ኤል ጀኒና ሓንቲ ድሕሪ ‘ቲ ሃንቲ ክቖጻጸሩ እንከለዉ፣ ኣብ ካርቱም’ውን ጽዕጹዕ ኵናት ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኡምዱርማን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ዝወደቐ ተፈንጃሪ፣ ብውሕዱ 20 ሰባት ከምዝቐተለ’ውን ትካላት ሕክምና ካብ ካርቱም ገሊጸን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0