ኬንያ: ዓቕሚ ሰባ ናብ ሰደድ ትልእኽ

Radio Erena: Monday, 18 December 2023

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ዝሓለፈ ዓመት መራሒ ሃገሩ ኮይኑ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣትሒዙ ቀንዲ ስርሑ ኬንያውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወጻኢ ሃገር ስራሕ ከምዝረኽቡ ምግባር ምኳኑ በብእዋኑ ክገልጽ ጸኒሑ::

ዊልያም ሩቶ ናብ ካልኦት ሃገራት ምብጻሕ ኣብ ዝገብረሉ እዋን: ዜጋታት ኬንያ ስራሕ ዝረኽብሉ ዕድላት ንምንዳይ ምስ መራሕቲ ሃገራት ከምዝዘራረብ: ዝሓለፈ ቅንያት ንኣብነት ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣስታት 200 ሽሕ ዜጋታቱ ስራሕ ዝረኽቡሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ከምዝተዘራረበ ገሊጹ ኔሩ::

ፕርዚደንት ሩቶ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ዝገበሮ ምዝርራብ ኬንያ 2 ሽሕን 500 ኣለይቲ ሕሙማትን(ነርሳት) ካልኦት ክኢላታትን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክትልእኽ ምኳና ሓቢሩ::

ዊልያም ሩቶ: ኬንያ ኣቐዲማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ጥራይ ትልእኽ ከምዝነበረት ብምግላጽ ‘ካብ ሕጂ ንንየው ግን ናይ ዝተፈላለየ ዓውድታት ክኢላታት’ውን ናብታ ሃገር ይኹን ካልእ ክትልእኽ ምኳና ገሊጹ::

ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ዕዮ ኬንያ ሓደ ሽሕን 500ን ኬንያውያን ክኢላታት ናብ እስራኤል ንስራሕ ክለኣኹ ምኳኖም ገሊጹ ኔሩ::

እዞም ክሰርሑ ናብ ወጻኢ ሃገር ክለኣኹ ዝብሃሉ ዘለዉ ኬንያውያን ክኢላታት ወይ ምሁራት ኣብ ወርሒ ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ ሽሕን 500ን ዶላት መሃያ ክኽፈሎም እዩ::

እዚ ብኬንያ ዝውሰድ ዘሎ ሰደድ ዓቕሚ ሰብ ቁጠባዊ ረብሓታት ዝርከቦ’ኳ እንተኾነ: ኣብቲ ዘየለ ምጽንቃቕ ብልሒ ዓቕሚ ሰብ ምኳኑ’ውን ኣተሓሳሳቢ ይገብሮ::

ኣብ ኬንያ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ተወዳዲሩ ዋሕዲ ክኢላታት ሕክምናን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣሎ: እዚ እናሃለወ ክኢላታት ሕክምና ናብ ወጻኢ ምልኣኽ ድሕነትን ጥቕምታት ዜጋታት ቀዳምነት ዘይምስራዕ እዩ::

ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ትሑት ክፍሊት ክኢላታት ብፍላይ ድማ ናይ ሕክምና ብምህላዉ ዓመታዊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናብ ሃገራት ዓረብን ምዕራብን ብምስዳድ ስራሕ ክረኽቡ ይፍትኑ::

እዚ ድማ ንኣፍሪቃ ኣብቲ ዘለዋ ናይ ክኢላታት ዋሕዲ ካልእ ምጽንቃቕ ክኢላዊ ሓንጎል የስዕበላ ኣሎ::

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0