ማእከላይ ባሕሪ: 61 ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena: Monday, 18 December 2023

ስደተኛታት ሒዛ ካብ ዛዋራ – ሊብያ ናብ ኤውሮጴ ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምጥሓላ ህጻናትን ደቀንስትዮን ዝርከብዎም 61 ሰባት ሂወቶም ስኢኖም::

ዓለምለኻዊ ውድብ ኢሚግረሽን (IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ: እታ ዝጠሓለት ጃልባ 86 ሰባት ጽዒና ከምዝነበረት: ብሂወት ዝደሓኑ ብዝሃብዎ ምስክርነት መሰረት ድማ እታ ንእሽቶ ጀልባ ብሓያል ማዕበል ተጸፊዓ ከምዝጠሓለት ክፍለጥ ተኻኢሉ::

ኣብቲ ሓደጋ ካብ ሞት ዝደሓኑ 25 ሰባት ናብ ሊብያ ተመሊሶም ናብ መቐየዲ ማእከል ከምዝተዳጎኑን ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝተገብረሎምን ተገሊጹ::

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ካብ ሊብያን ቱኒዝያን ጥራይ 153 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ: ኣብ መገዲ ብዝጠሓላ ጀልባታት ድማ ዛገት 2 ሽሕን 200 ሰባት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሂወቶም ስኢኖም ከምዘለዉ ዓለምለኻዊ ውድብ ኢሚግረሽን ይገልጽ::

ዝሓለፈ ቀዳም መራሕቲ ኢጣልያ: ብሪጣንይን ኣልባንያን ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምግታእ ዘኽእል ሜላታት ንምንዳፍ ኣብ ኢጣልያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም ኔሮም::

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0