ሱዳን: ኲናት ርእሰ-ከተማ ሕርሻ ‘ዋድ ማዳኒ’

Radio Erena: Monday, 18 December 2023

ሱዳናዊት ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ካብ ከተማ ካርቱም 136 ኪሎሜተር ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ገማግም ፈለግ ኒል ተደኩና ትርከብ::

ኣስታት ፍርቂ ምልዮን ተቐማጢ ዘለዋ ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ ማእከል ሕርሻ ሱዳንን ኣፍሪቃን ኮይና ቀንዲ መናሃርያን ናይ ንግዲ ቦታን ዝተፈላለየ ዓይነታት እኽሊ ከም ስገም: ስርናይን ፉልን: ከምኡ’ውን ጤለ በጊዕን ከብትን እያ::

‘ዋድ ማዳኒ’ብተወሳኺ ብዕቤቱ ኣብ ሱዳን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ‘ዩኒቨርሲቲ ኣልዛዚራ’ ዝርከባ ናይ ትምህርትን ባህል ማእከል እያ::

ኲናት ሓድሕድ ጀነራላት ሱዳን ካብ ዝጅምር ከተማ ‘ዋድ ማዳኒ’ብዙሕ ከይተተንከፈት ጸኒሓ: ብኣንጻሩ ካብ ከተማ ካርቱም ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ክዕቀቡላ ጸኒሖም::

እንተኾነ ኲናት ሓድሕድ ጀነራላት ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ከምዝበጽሐን ህዝቢ እታ ከተማ ይኹን ካብ ካርቱም ዝተመዛበለ ኣብ ራዕዲ ገልታዕታዕን እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣብ ምህዳምን ከምዝርከብ ይግለጽ ኣሎ::

‘ዋድ ማዳኒ’ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብጀነራል ኣል ቡርሃን ብዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ከምዝጸንሓት: ዕጡቓት ተወርዋሪ እዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙላ ተሓቢሩ::

ኣብታ ከተማ ድሮ ዝምታን ዕመጽን ይካየድ ከምዘሎ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ጀነራላት ሱዳን ብብርጋደር ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ዝምርሑ ግቡእ ታዕሊም ዘይወሰዱ ብተወርዋሪ ሓይሊ ዝፍለጡ ምልሻ ዝሰፍሐ መሬት ይቆጻጸሩ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ::

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0