ኬንያ፣ ኣብ ዶብ ሶማል ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውም’ያ

ኬንያ፣ ኣብ ዶብ ሶማል ናይ ጸጥታ ዞባ ከተቕውም’ያ

Radio Erena: 24 March 2015

somkenbor

መንግስቲ ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘዳውቦ ከባቢታት ናይ ጸጥታ ዞባ ከቕውም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ንጋዜጣ ካፒታል ኤፍ.ኤም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ኬንያ ነቲ ካብ ኣልሸባብ ዝመጾ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንምክልኻል፣ ኣብ ዶባ ሶማል ናይ ጸጥታ ዞባ ከምቕውም ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ኣቐዲሙ ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ብቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኬንያ ነቲ ምስ ሶማል ዘዋስና ዶብ ብመንደቕ ክትሓጽሮ’ያ እኳ እንተበለ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ግና ናይ ጸጥታ ዞባ ጥራይ ከምዝቐውም’ዩ ሓቢሩ።

 ኣብቲ ዝቐውም ናይ ጸጥታ ዞባ ጽኑዕ ሓለዋን ካብን ናብን መሰጋገሪ ዝኸውን ኬላታት ክህልዎ ምዃኑን’ውን መግለጺ እቲ ሚኒስተሪ የመልክት።

ኬንያ ነቲ ምስ ሶማል ዘዳውባ 700 ኪሎሜተር ብመንደቕ ክትሓጽሮ ይኹን ብጸጥታ ክትቖጻጸሮ ኣጸጋሚ ምዃኑ ዝጠቀሱ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ድማ፣ እታ ሃገር ካብ ኣልሸባብ ንዝፍነዋ ዘሎ መጥቃዕታት ንምምካት ካልእ ኣማርርራጺታት ከተናዲ የተሓሳስቡ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0