መራሕቲ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ንኣጠቓቕማ ናይል ዝምልከት ስምምዕ ከቲሞ

መራሕቲ ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጽን ንኣጠቓቕማ ናይል ዝምልከት ስምምዕ ከቲሞ

Radio Erena: 24 March 2015

etsu

መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንኣጠቓቕማ ናይል ዝምልከት መባእታዊ ስምምዕ ከቲሞም።

ሰለስትኦም መራሕቲ ናይዘን ናይል ዘቛርጸን ሃገራት፣ ትማሊ ሰኑይ 23 መጋቢት ኣብ ቤት መንግስቲ ካርቱም ብምርኻብ’ዮም ነቲ መባእታዊ ስምምዕ ከቲሞሞ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ንወሓዚ ናይል ናብተን ሃገራት ከጓድሎ’ዩ ዝብል ስኽፍታ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ከዘራረበን ድሕሪ ምጽንሑ’ዩ እዚ ስምምዕ ተኸቲሙ።

ሰበ ስልጣን ሰለስቲኤን ሃገራት ኣቐዲሞም ከካይድዎ ብዝጸንሑ መጽናዕቲ፣ ኣብ ሓባራዊ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ኣብ መሰረታዊ ነጥብታት ክሰማምዑ ብምኽኣሎም’ዩ እቲ ክታም ተነቢሩ ዘሎ።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ 4.2 ቢልዮን ዶላር ባጀት ዝሓተተ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘገልግል ዲጋ፣ ብፍላይ ንግብጺ ሃገራዊ ስግኣት ፈጢሩላ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እትገልጾ ጉዳይ’ዩ።

============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0