ተቓወምቲ የመን ንከተማ ጣይዝ ተቖጻጺሮም

ተቓወምቲ የመን ንከተማ ጣይዝ ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 24 March 2015

yemyemtez

ተቓወምቲ የመን፣ እብታ ሃገር ብዕብየታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ንእትስራዕ ከተማ ጣይዝ ተቖጻጺሮም።

ነታ ኣብ ደቡብ የመን እትርከብ ናብ ባብ ኤልመንደብ ቅርበት ዘለዋ ከተማ፣ ንምቁጽጻር ክሳብ ትማሊ ወጋሕታ ኵናት ይቕጽል ምንባሩ ዝሓበሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ኣህጉራዊ መኦኣርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ይኩን ካልእ ኣገደስቲ ትካላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ሑቲ ኣትዩ ምህላዉ ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቃወምቲ፣ ናብታ 178 ኪሎሜተር ርሒቃ እትርከብ ከተማ ዓደን ይግስግሱ ምህላዎም’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ገስጋስ እዞም ተቓወምቲ ሻቕሎት ዝፈጠረለን ኣመሪካ ዝመራሒተን መሻርኽቲ ሃገራት፣ ኣብ ሃገር ዝጸንሑ ሓይልታተን ናብ ጅቡቲ፣ ቀጠርን ዖማንን ይስሕባ ምህላወን ይንገር።

እቶም ተቓወምቲ ንመላእ የመን ንምቁጽጻር ምግስጋሶም ነታ ብኣመንቲ ሱና ዝተዓብለለት ስዑዲ ዓረብ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩላ ይርከብ።

የመን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሑቲ እንተወዲቃ፣ ኣንጻር መንግስቲ የመንን ምዕራባውያን ደገፍቱን ክንቐሳቐሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ኣልቃዒዳ’ውን ምሉእ ሓይሎም ኣንጻር ሑቱ ከቕንዑ ምዃኖም የጠንቕቑ።

ኣብ የመን ዘጋጥም ጸጥታዊ ሃጓፍ ንዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብኣሉታ ክጸልዎ ምዃኑ ብኣግኡ ይዝረበሉ ኣሎ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0