ኬንያ፣ ዕጡቓት ሶማል ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ መኮንናት ተቐቲሎም

Radio Erena: Tuesday, 31 October 2023

ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ዞባ ጋሪሳ ናይ ኬንያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ክልተ መኮንናት ክቕተሉ እንከለዉ ኣርባዕተ ድማ ከምዝቖሰሉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ፣ ሶማላውያን ተዓቝቦምሉ ካብ ዝርከብ ዳዳብ ናብ ጋሪሳ ኣብ ዝወስድ መንገዲ፣ ኤግ ዳም ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ነታጕ ብምጽዋድ ዝተፈጸመ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ወትሃደራት ኬንያ ጽዒና እትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ድማ ነቲ ነታጕ ረጊጻ ድሕሪ ምፍንጃራ’ዩ እቲ ሞትን መቑሰልትን ኣጋጢሙ።

ናይቲ ብሰኑይ 30 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን። ይኹን’ምበር ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ’ዩ መንግስቲ ኬንያ ዝውቕስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ኣልሸባብ ከቢድ ብድሆ ገጢምዎ ዝርከብ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ትሩሪ ተወሳኺ ሓገዝ ንምሕታት፣ ኣብታ ሃገር ከምዝቐነየ ተሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዱዋን ብምርኻብ፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ሶማልን ዘድልዮም ሓገዛትን ብዝምልከት ከምዝተመያየጠ መርበብ ዜና ሚሊታር ኢንተሊጀንስ ኣተንቢሁ።

ሰራዊት ሶማል ኣብ ምስልጣን ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ሰራዊታ ናብታ ሃገር ልኢኻ እትርከብ ቱርኪ፣ በብእዋኑ’ውን ወትሃደራዊ ናውቲ ብሓገዝ ከተበርክተላ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሶማል ዝውዕል ናይ 85.5 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ከምዘጽደቐ ኣፍሊጡ።

እቲ 20 ሚልዮን ዶላር ካብዚ፣ ባጀት መንግስቲ ሶማል ንምድጋፍ ዝውዕል ፊናንስያዊ ሓገዝ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0