ኤርትራ፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ህዝባ ወርሓዊ እቶቱ ካብ 2 ዶላር ንመዓልቲ ከምዘይሓልፍ ተገሊጹ

Radio Erena: Tuesday, 31 October 2023

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብ ቀዳሞት ድኻታት ሃገራት ዓለም ምዃና ኣብ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላት ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝጸንሐ’ዩ።

ዝበዝሓ ካብቲ ኣስታት 5 ሚልዮን ምዃኑ ዝጥቐስ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ከምዝነብር ጸብጻብ ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ‘ውን ይጠቕስ።

ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ድሕነት ኣብ ኣፍሪቃ፣ ነዚ በዘን ኣህጉራውያን ፊናንስያውያን ትካላት ዝቐረብ ጸብጻብን ካልእን ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ትንታነታት ድማ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ዓለም ጥራይ ዘይኮነት፣ ንመጻኢ ክግመት ዘይክእል ቁጠባ ዘለዋ ሃገራት’ያ ክብል’ዩ ገሊጹዋ።

ሓደ ካብ ጠንቕታቱ ድማ ብወግዒ ዘይፍለጥ ባጀት መንግስቲ፣ ተሓታትነትን ንጹርነትን ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ቁጠባን ፋይናንስን ምዃኑ የመልክት።

ብመሰረት እቲ ትካል ዘቕረቦ ዝርዝራዊ ሰነድ፣ መዓልታዊ ትሕቲ 2 ዶላር፣ ልክዕ ንምዃን ድማ 1 ዶላርን 90 ሳንቲምን ዝግምገም ኣታዊ ዘለዎም ኤርትራውያን ብዝሖም ልዕሊ 1.3 ሚልዮን’ዮም።

እዚ ብሚእታዊት ክርአ እንከሎ፣ ኣስታት 40% ካብ ጠቕላሊ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ይሽፍን።

ባንክ ዓለም ካብ 2015 ኣትሒዙ ብዘቐመጦ መምዘኒ መሰረት፣ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ትሕቲ መስመር ድኽነት ‘ዩ ዝነብር ክብሃል እንተኾይኑ፣ መዓልታዊ ኣታዊኡ 1 ዶላርን 90 ሳንቲምን ወይ ትሕቲኡን ምስ ዝኸውን’ዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 8 ዓመታት፣ ቁጠባ ዓለም ተለዋዊጡ፣ ዝቕባበን ናህሪ ዋጋታት ዕዳጋን ዛይዱ ስለዝርከብ፣ እቲ መምዘኒ ብክልተ ዕጽፊ ዋላ’ውን እንተዝውስኽ፣ ካብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝገላግል ከምዘይኮነ’ዮም ተንተንቲ ቁጠባ ዘረድኡ።

ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ እቶት ዜጋታተን ንምዕባይ ዝገብርኦ ዘለዋ ምትዕርራይ ቁጠባ፣ ምስ ግዜ ዝቐያየር እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብኣንጻሩ መንግስቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ስለዘየለ ኣብ እቶት ዜጋታት ዝተራእየ ለውጢ ከምዘየለ ‘ዩ ዝንገር።

ልዕሊ 70% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሕርሻ ዝናበር’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብዚ እዋን’ዚ፣ መነባብሮ ህዝቢ፣ ኣብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ሓረስቶት ‘ውን ከይተረፉ፣ ካብ ቤተ ሰብን መቕርብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ዝልኣኽ ሓዋላ ዝተመርኮሰ እናኾነ ‘ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብ 2043፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ድኽነት ብልዑል ናህሪ ክጠፍእ ትጽቢት ከምዘሎ ‘ዩ ዝግምግም ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ድሕነት።

ኣብ ኤርትራ ግና ምንካይ ድኽነት እንተበዚሑ ናብ 13% ከምዝወርድ’ዩ ዝእምት።

እዚ ማለት ድማ ድሕሪ 20 ዓመታት’ውን እንተኾነ፣ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጸጋጋዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ገና ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ክነብር’ዩ።

እዚ’ውን፣ ኵናት፣ ደርቂን ምስኡ ዝተተሓሓዙ ሰብኣዊ ቅልውላዋትን እንተዘይስዒቦሞ ማለት’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

COMMENTS

WORDPRESS: 0