ሓደሽ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ከተኩር ትጽቢት ይግበረሉ

Radio Erena: Wednesday, 01 November 2023

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ባሕሬይን ዝነበረ፣ ጀሮም ኩሻርድ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረት ኣምባሳደር ሙርየል ሶረ ብምትካእ’ዩ ካብ 18 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ናብ ኣስመራ ተመዲቡ ዘሎ።

ኣምባሳደር ጀሮም፣ ምስ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራን ኣምባሳደራት ከም ኢጣልያን ጀርመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮጳን ብምዃን፣ ኣብ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ሓገዛት ከምኡ ድማ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ብምትኳር ክሰርሑ ተልእኾ ተዋሂብዎም ምህላዉ ምንጭታት ዲፕሎማሲ ይእምቱ።

ምስ ኤርትራ ብዙሕ ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳር ዘይብላ ፈረንሳ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሒ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ብዝሒ ዲፕሎማሰኛታታ ከተጉድል ብምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ምስ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ሓደ ህንጻ ብምዃን ንጥፈታቶም የካይዱ ምህላዎም ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0