ኬንያ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ዝተጓሃሃረ ተቓውሞ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ

Radio Erena: 28 March 2023

ኣብ ኬንያ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ንዝተወልዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ፖሊስ ብዝተኮስዎ ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተሉ እንከሎ ሓያሎ ቆሲሎም።

እቲ ብመራሒ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሰልፊ፣ ራይላ ኦዲንጋ ተወዲኑ፣ ብሰኑይ 27 መጋቢት፣ ኣብ ናይሮቢን ካልእ ከባቢታትን ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ብምድንጋር ከምዝተዓወተ ንዝጠቐሶ ፕረዚደንት ሩቶ፣ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ከረጋግእ ብዘይምኽኣሉ፣ ቁጠዐ ንምግላጽ’ዩ።

ናይ ነዊሕ እዋን ፖለቲከኛ ኬንያ፣ ራይላ ኦዲንጋ ኣብቲ ምርጫ ተወዳዲሩ እኳ እንተነበረ፣ ዘይተዓወተሉ ምኽንያት፣ ዊልያም ሩቶ ምድንጋራት ስለዝፈጸመ ‘ዩ ብምባል ኣብቲ እዋን’ቲ ወግዓዊ ክሲ መስሪቱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ንሱ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ጸዊዕዎ ዘሎ ህዝባዊ ሰልፊ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰኑይን ሓሙስን ክካየድ ምዃኑ ከምዝገለጸ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ኬንያ ተወሊዑ ዘሎ ተቓውሞ፣ ካብቲ ራይላ ኦዲንጋ ዝጸውዐ ሰልፊ ንላዕሊ፣ ህዝቢ ኣንጻር እቲ እናናሃረ ዝመጽእ ዘሎ ዋጋታት መሰረታዊ ነገራት፣ ቁጠዕኡ ንምግላጽ ዝተንስኣሉ ህዝባዊ ናዕቢ’ዩ ክብላ እተን መርበባት ዜና ጠቒሰን።

እቲ ናዕቢ፣ ዛጊት ኣብ ናይሮቢ፣ ኪሱሙን ካልእ ከባቢታትን ‘ዩ ተኻይዱ ዘሎ።

ብፍላይ ኣብቲ ድኻታት ብብዝሒ ዝነብርሉ፣ ኪብራ ዝተባህለ ከባቢ፣ ህዝቢ ምስ ፖሊስ ግጭት ከምዘካየደን ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝበጽሐን ተመልኪቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0