ኤርትራ፣ 10ታት ሶማላውያን ተዓቝቦሙላ ዝጸንሑ እንኮ መዓስከር ስድተኛታት ጠቕሊላ ተዓጽያ

Radio Erena: 28 March 2023

ኣብ ኤርትራ ኣብ እትርከብ፣ እንኮ መዓስከር ስደተኛታት እምኩሉ ዝጸንሑ 10ታት ሶማላውያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ተፋንዮም።

እታ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ እትርከብ መዓስክር፣ ነዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፣ ኣስታት 3 ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ተዓቝቦሙላ እኳ እንተጸንሑ፣ ኣብ 2019 መብዛሕቶም ናብ ኢትይጵያ’ዮም ተሰጋጊሮም።

ኣብ ኤርትራ፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝጸንሓ እንኮ መዓስከር እምኵሉ፣ ካብ 2018 ኣትሒዛ ጠቕሊላ ክትዕጾ ምዃና ይሕበር እኳ እንተነበረ፣ ሒደት ስድራቤታት ጥራይ ኣዕቝባ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ምጽንሓ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ መዓስከር እምኵሉ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተቐመጡ ኣማኢት ሶማላውያን ስደተኛታት፣ ከም ሓውሲ እሱራት ተታሒዞም፣ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ ይኹን ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም እናሰርሑ ክነብርሉ ዝኽእሉ ዕድል ተነፊግዎም ምጽንሑ ‘ዩ ዝግለጽ።

ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ካልእ ክፍሊ ዓለምን ዑቕባ ዝሓቱን ዝወሃቦምን እኳ እንተኾኑ፣ ኤርትራ ግና ብኣንጻሩ ስደተኛታት ካብ ዘየዕቑባ ሃገራት ተባሂላ’ያ ትፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ኣሸሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዕጡቓት ተቓወምቲ ክጽንበሩ ወይ ድማ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ኣብ ዝርከብ፣ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘይብሉ መዓስከር ክተሓዙ ይግደዱ ምንባሮም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዝነበሮም ወገናት የዘኻኽሩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0