ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ብሞት ክቕጽኡ እማመ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 28 March 2023

ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ብሞት ክቕጽዑ ዝብል እማመ ከምዘቕረበ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ኣንጻር ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕሕለፎ ተሪር ውሳኔ’ዩ ናይ ዝበዝሑ ኣባላቱ ደገፍ ብምርካብ፣ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክብየነሎም ኣሚሙ።

389 ኣባላት ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ነዚ ምስ ባህል፣ እምነትን ስርዓትን ሕጊን ኣነባብራ ወዲ ሰብ ዝጻረር ገበን’ዩ ዝበልዎ ምጽማድ ሓደ ዓይነት ጾታ ንዝፈጸመ ሰብ ብሞት ወይ ድማ ብናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ንዝቐረበ እማመ ደገፎም ሂቦም።

ብኣንጻር እዚ፣ እቲ እማመ ዘይቕዋማውን፣ ጾታ ዘተኮረ ጎነጽ ኣብ ልዕሊ ደቂሰብ ንኽፍጸምን ዝዕድም’ዩ ብዝብል ክልተ ኣባላት ፓርላማ ተቓውምኦም ኣስሚዖም።

ኡጋንዳ፣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓይነት ጸለዎም መጻምድቲ ዘሕለፈቶ ጽኑዕ ውሳኔታት፣ ብኣመሪካን ካልኦት መሻርኽታን ተቓውሞ ስለዝገጠማ’ያ እንደገና ባይቶ ነዚ እማመ ዘቕርብ ዘሎ።

ብባይቶ እታ ሃገር ቀሪቡ ዘሎ እማመ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ሓደው ንኽጸድቕ ሓደ ድማ ንኽንጸግ፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ላዕለዋይ ፈጻሚ ናብ ዝኾነ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክቀርብ’ዩ።

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0