ኬንያ፣ ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ብዝልእክዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ

ኬንያ፣ ኣብ ውጻኢ ዝርከቡ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ብዝልእክዎ ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ

Radio Erena: 26 April 2018

bank of kenyaኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ኬንያ ዓመታዊ 2 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገሮም ከምዝልእኩ ብሰኑይ 23 ሚያዝያ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኬንያ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታታት ብእትረኽቦ ኣታዊ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ እንከላ፣ ኡጋንዳ ድማ ብ1.3 ቢልዮን ዶላር ኣብ ካልኣይ ቦታ ትርከብ።

ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ብ22 ቢልዮን ዶላር ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘተ ናይጀርያ’ያ።

ንዜጋታት ናይጀርያ ስዒቦም ድማ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታት ግብጺ ዓመታዊ 20 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገሮም የውሕዙ።

ብደረጃ ዓለም፣ ኣብ ውጻኢ ካብ ዝርከቡ ዜጋታታ ዝበዝሐ ኣታዊ እትርከብ ሃገር ህንዲ ኮይና፣ ዓመታዊ ክሳብ 69 ቢልዮን ዶላር ተገምጊሙ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ቻይና ድማ ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ዜጋታት ዓመታዊ 64 ቢልዮን ዶላር ናብ ሃገሮም ይልእኩ።

ብዞባ ደረጃ እንተተራእዩ፣ ዝበዝሐ ገንዘብ ዝተሓወለሉ ወይ ዝተላእከሉ ክፋል ዓለምና ምብራቕ ኤስያ’ዩ። ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ናብዚ ዞባ 130 ቢልዮን ዶላር ውሒዙ።

ናብ ደቡባዊ ኤስያ 117 ቢልዮን ዶላር ክሰጋገር እንከሎ፣ ብሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐ ዞባ ላቲን ኣመሪካ 80 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።

ባንክ ዓለም ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዓለም ካብን ናብን ሃገራት ዝተሰጋገረ ብዝሒ ገንዘብ ብድምር 466 ቢልዮን ዶላር’ዩ።

ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመተ 2016 ናይ 37 ቢልዮን ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ።

እዚ ግና ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝካየድ ሓዋልን ምስግጋርን ኣብ ግምት ከየእተኻ’ዩ።

ኤርትራ፣ እትርከበን ሒደት ሃገራት፣ ብሕጋዊ መንገዲ ናይ ዝተሰጋገረ ብዝሒ ገንዘብ ምሉእ ሓበሬታ ክረክብ ስለዘይክኣላ ባንክ ዓለም ናብ ኤርትራ ዝተላእከ ገንዘብ ኣብ ጸብጻቡ ኣየስፈሮን።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0