መንግስቲ እስራኤል፣ ምስጓግ ስደተኛታት ደው ከምዝበሎ ኣፍሊጡ

መንግስቲ እስራኤል፣ ምስጓግ ስደተኛታት ደው ከምዝበሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 26 April 2018

refugees in israelመንግስቲ እስራኤል፣ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ንግዴታ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ምስጓግ መስርሕ ደው ከምዘበሊ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ብ24 ሚያዝያ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምስጓጎም ምስ ዝኾነ ሃገር ስምምዕ ከምዘይብሉ ብምርግጋጽ፣ እቲ መደብ ደው ከምዝበለ’ዩ ገሊጹ።

ብሰንኪ’ዚ ናይ ምስጓግ መደባት፣ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛ ተኸትኪሎም ዝጸንሑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ሱዳናውያን፣ ቪዝኦም ክሕደሰሎም ምዃኑ ምንጭታት ካብ እስራኤል ይጠቕሱ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ብተደጋጋሚ ከቕርብሉ ብዝጸንሑ ክስታት፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ሳህሮኒም ኣሲሮም ዝጸንሐ ኩሎም ስደተኛታት ክፈትሕ ከምዝተገደደ ዝዝከር’ዩ።

እቲ መንግስቲ፣ ንሓያሎ ዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ብግዴታ ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መስርሕ ምስ ሕቡራት ሃገራት ስምምዕ ብምኽታም፣ ብ2 ሚያዝያ መዕለቢ ጌርሉ እኳ እንተነበረ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ናታንያሁ ንጽባሒቱ እቲ ስምምዕ ከምዝተሰረዘ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ድሕሪ’ዚ ምስጓግ ስደተኛታት ደው ከምዝበለ ዘረጋገጸ ናይዚ ሳልስቲ’ዚ ናይ ቤት ፍርዲ ውዕሎ፣ ቤት ማእሰርቲ ኾሎት እንገደገና ክኸፍቶ ምዃኑ ሓቢሩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0