ልኡኽ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ናብ ዘለው መዓስከራት ሱዳን ይበጽሕ

ልኡኽ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ተዓቝቦምሉ ናብ ዘለው መዓስከራት ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 25 April 2018

French delegation in Kassala

ወኪል መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ናብ ዘለው መዓስከራት ምብራቕ ሱዳን ከምዝበሐ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ስቴፋን ግሩምበርግን ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሱዳን ኢማኑዌል ብላትማንን ዝመርሐ ወኪል፣ ብ23 ሚያዝያ ኣብ መዓስከራት ሸገራብን ወዲ ሸሪፈይን ድሕሪ ምብጻሕ፣ እቶም ኤርትራውያን ዘለውዎ ናብራን ኩነታትን ብምዕዛብ ምስ ሓያሎ ካብኣቶም ተዘራሪቡ።

ኣብዚ መዓስከራት ንዝርከቡ ስደተኛታት ሰብኣውን ካልእ ዝተፈላለየ ሓገዛትን ክትገብር ዝጸንሐት ፈረንሳ፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከውይሕዙ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ብቀጻሊ ክትዛረበሉ ጸኒሓ’ያ።

ወኪል መንግስቲ ፈረንሳ ናብዚ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦምሉ ዘለው መዓስከራት ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ባይቶ እታ ሃገር ብፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ፊሊፕ ኤድዋርድን ንዝረቐቐ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ኣብ ዘጽደቐሉ ዕለት’ዩ።

ካብ ኤርትራ ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝብል ነጥቢ ንምዝርራብ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሐ ኣይርሳዕን።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ሶርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0