ኬንያ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ እማመ ውዕል ባሕሪ ኣቕሪባ

RADIO ERENA – Tuesday, 16 April 2024

ኬንያ፣ ነቲ እብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጡሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ እማመ ውዕል ባሕሪ ከምዘቕረበት መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ነዚ እማመ ዘቕረበር፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ዊልያውም ሩቶ ድሕሪ ምምይያጡዩ።

መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ እማመ ውዕል ባሕሪ፣ ብመንጎኘነት ኢጋድን እዋናዊ ኣቦ መንበርነት ተረኪባ ዘላ ጂቡቲን ክካየድ ዝብል ምዃኑ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ንሮይተርስ ኣረዲኡ።

እንተኾነ፣ ካብ መንግስቲ ሶማል ይኹን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ የለን።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024፣ መረዳድኢ ሰነድ ኣፍደገ ባሕሪ ምኽታማ ይዝከር።

እቲ ዝተኸተመ ሰነድ፣ ንሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማል ዝግህስ ምዃኑ ዝገለጸ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ብምዝሕታል፣ ክሳብ ምስጓግ ኣምባሳደር በጺሑ ይርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0