ምፍጣጥ እስራኤልን ኢራንን መጠነ ሰፊሕ ዞባዊ ኲናት ከየኸትል ይስጋእ

RADIO ERENA – Monday, 15 April 2024

እስራኤልን ኢራንን ኣትየንኦ ዘለዋ ሓድሽ ምዕራፍ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምፍጣጥ መን እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ይህብ ወሳኒ ኣብ ዝኾነሉ፣ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከየጋጥም ጥርዚ ስግኣት ተበጺሑ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ::

እስራኤልን ኢራንን ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ዝጸንሓ ሃገራት ኮይነን ኣቐዲመን ብኢድ ኣዙር ክዋግኣ ድሕሪ ምጽንሐን ሕጂ ገጽ ንገጽ ናብ ኲናት ከይኣትዋ ይስጋእ ኣሎ::

ብሓደ ሚያዝያ ኤምባሲ ኢራን ኣብ ሶርያ ርእሰ-ከተማ ዶማስቆስ መጥቃዕቲ ከጋጥሞ እንከሎ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዝርከብዎም ሸውዓተ ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ ኢራን ተቐቲሎም::

እቲ መጥቃዕቲ መን ኣካይድዎ ሓላፍነት ዝወሰደ ሰብ’ኳ እንተዘይነበረ ኢራን ግን ነፈርቲ እስራኤል ከምዘካየደኦን እዚ ቀይሕ መስመር ዝሓልፍ ብምኳኑ ድማ ግብረመልሲ ክትህበሉ ምኳና ክትገልጽ ጸኒሓ::

እስራኤል ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትን::

ኢራን ከም ግብረመልሲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብ170 ድሮንን 120 ባለስቲክ ሚሳይልን መጥቃዕቲ ፈንያ::

ካብ ኢራን ናብ እስራኤል ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ገለ ሰዓታት ዝወስድ ብምንባሩ እስራኤል ብምትሕብባር ደገፍቲ ሃገራት ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ 99 ሚእታዊት እቲ መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ዕላምኡ ከይሃረመ ኣብ ሰማይ እንከሎ ኣፍሺላቶ::

እስራእል እንታይ ዓይነት ግብረመልሲ ትህብ ዝብል ሕቶ ኣዝዩ ወሳኒ እዩ::

ሃገራት ብቐጥታ ነሓድሕደን ክጠቓቕዓ እንከለዋ ኲናት ምእዋጅ ኮይኑ ኣብ ካልእ ከም ኤምባስን ቆንስልን መጥቃዕቲ ምክያድ’ውን ከም ምእዋጅ ኲናት እዩ ዝቑጸር::

ኢራን ኣንጻር እስራኤል ንዝኾኑ ዕጡቓት ሕዝቡላህ-ሊባኖስ፣ ሓማስ-ፍልስጤም፣ ሑቲ-የመን ትሕግዝ ብምኳና ምስ እስራኤል ብቐጥታ ይኹን ተዘወዋሪ ምስሕሓብ ጸኒሕዋ::

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0