ኬንያ፣ ናብ ኡጋንዳ ዝሰግሩ ዝነበሩ ሓደ ጋዜጠኛ ዝርከቦም 23 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: Thursday, 23 November 2023

ካብ ኢትዮጵያ፣ ከተማ ኣዲሰ ኣበባ፣ ተበጊሶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብዶብ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳ ዝሰግሩ ዝነበሩ 23 ኤርትራውያን፡ ብ06 ሕዳር 2023 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።

እቶም ቀዳም 05 ሕዳር 2023 ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሱ ኤርትራውያን፡ መሬት ኬንያ ምስ ረገጹ ዘይሕጋውያን ኣስገረቲ ኣብ ጸምጸም በረኻ ገዲፈምዎ ከምዝሃደሙን፣ ካብ ሓደጋ ኣራዊትን ሽዑ መዓልቲ ካብ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ዘውረዶ ውሕጅ ንህይወቶም ብምስጋእ፣ ባዕላቶም’ዮም ናብ መደበር ፖሊስ ሶሎሎ ኢዶም ክህቡ ተገደዲሞ።

እቶም ኤርትራውያን፡ ናብ መደበር ፖሊስ ሞያለ ድሕሪ ምስግጋሮም፡ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ጉዳዮም ዘይሕጋዊ ስግረ ዶብ ምዃኑ ዘረጋገጸ ቤት-ፍርዲ ሞያለ፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ’ዩ ወሲኑ።

እንተኾነ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን፣ እቲ ውሳኔ ናይ ቤት ፍርዲ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ብዕቱብ ይሰርሕሉ ኣለዉ።

ካብ ሞንጎ እቶም 23 ኤርትራውያን ሓደ ጋዜጠኛን 3 ኣዋልድን ከም ዝርከብዎም ዝሓበሩ ግዱሳት፡ ክሳብ 15 ሕዳር ኣብ ዘሎ 10 መዓልታት፣ ኣብ ሞያለ ቤት- ጽሕፈት ኢምግሬሽን ዝርከብ መደበር ፖሊስ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ናይሮቢ ተሰጋጊሮም ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

እቶም ኤርትራውያን፣ ብፖሊስ ተዓጂቦም ናይሮቢ ድሕሪ ምብጸሖም፡ ኣብ መደበር ፖሊስ ጊጊሪ ተሓይሮም ከም ዘለዉ ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ክልተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 13 ካብኣቶም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ናይ ስደተኛታት ወረቐት ዘይነበሮም ኮይኖም፣ ብሰኑይ 20 ሕዳር ናብ ማእከል መጠረዚ ዘይሕጋውያንን ስደተኛታት ማለት (deportation center) ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

እቶም ኣብ ኢትዮጵያ እንከለዉ ወረቐት ስደተኛታት ዝነበሮም 10 ኤርትራውያን ግን፡ ክሳዕ እዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ጊጊሪ ተታሒዞም ይርከቡ።

ይኹን’ምበር ዛጊት እወታዊ ውሳኔ ክወሃቦም ብዘይምኻኣሉ፣ ንሳቶም’ውን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ግዱሳት ጠቒሶም።

እቶም ኣብ ኬንያ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ናይ ስደተኛታት መሰሎም ክሕለወሎም፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ካልኦት ግዱሳትን፡ ጉዳዮም ብምክትታል ክሓትሎም ይጽውዑ።

ኤርትራውያን፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር ኣብ ዝወጽእሉ ይኹን፣ ካብን ናብን ሃገራት ኣብ ዝሰጋገርሉ ዘለዉ እዋን፣ ካብ ዘይሕጋውያን ኣሰገርትን ደላሎን ክጥንቀቝ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬያ ብተወሳኺ የዘኻኽር።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0