ብሪጣንያ፣ ንሳይንቲስት ቅልውላው ክሊማን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንምክትታል ዝሕግዝ ሓዳስ መርከብ ጠፈር ንምምዋል ክትሕግዝ እያ

Radio Erena: Wednesday, 22 November 2023

ብሪጣንያ፣ ንሳይንቲስት ቅልውላው ክሊማን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ንምክትታል ዝሕግዝ ሓዳስ መርከብ ጠፈር ንምምዋልን ንምህናጽን ክትሕግዝ እያ።

እዛ ሓዳስ ፓትፋይንደር ሳተላይት ካብ ኤጀንሲ ህዋ ዓባይ ብሪጣንያ ብ3 ሚልዮን ፓውንድ ክትምወል እያ።

እቲ ፕሮጀክት ንመሬት ዝከታተላ ጉጅለ ሳተላይታት ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ኮይኑ፣ ንሓደጋ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ንምፍላጥ፣ንምክትታልን ንምንካይን ዝሕግዝን ብቐጻሊ ዝመሓየሽን ዳታ ክህብ ተስፋ ይግበር።

ብሪጣንያዊ ጠፈርተኛ ነበር ቲም ፒክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መደብ ቱደይ ቢቢሲ ሬድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣዝዩ መሳጢ ምዕባለ’ዩ፤ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ጽላት ህዋ ብዙሕ ይፍጸም ኣሎ’ሞ ፣ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ሓድሽ ዘመን ንግዳዊ ዕድላት ምድህሳስ ኣብ ቅድሚት ምህላዋ ፍሉይ ነገር’ዩ ኢሉ።

ባህርያዊ ሓደጋታትን ለውጢ ክሊማን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ እዩ።

ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሓደ ሰብ ብሓደጋ ከምዝተመዛበለ ዝግመት ኮይኑ፡ ካብ 2008 ጀሚሩ ብማእከላይ ገምጋም 22.5 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ ክሊማ ወይ ምስ ኩነታት ኣየር ዝተኣሳሰሩ ሓደጋታት ተመዛቢሎም።

ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ ሓደጋታትን ምስ ክሊማ ዝተኣሳሰር ምምዝንባልን ዝለዓል ሰፊሕ ናይ ምክልኻል ብድሆታት፣ እዛ መርከብ ጠፈር ከተቃልሎ ተስፋ ይንበረላ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0