ኬንያን ኣመሪካን ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: Tuesday, 26 September 2023

ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ህሉው ኩነታት ዚባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንታት ጂቡቲን ሶማልንን ዝዘተየ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድ ኦስቲን ናብ ኬንያ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ሩቶ ተመያይጡ።

እቲ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ብ24 መስከረም ኣብ ጂቡቲ ዘካየዶ ዑደት ዛዚሙ’ዩ ናብ ኬንያ ኣመሪሑ።

ምስ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዓደን ዱዋለን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ድማ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ኣብ ዘክእለን ነጥብታት ስምምዕ ከቲሞም።

ኬንያ፣ ኣብቲ ብኣመሪካ ክምወል ምዃኑ ዝገረሉ ዘሎ ናብ ሆይቲ ዝዋፈር ሓይሊ፣ ኣስታት ሓደ ሽሕ ብዝሒ ወትሃደራት ዘለዎ ሰራዊታ ክትልእኽ ምዃና ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

ኣብ ሄይቲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ፋሉልነት ንምግታእ፣ ብኣመሪካ ዝምወል ኣህጉራዊ ሓይሊ ንምውፋር መደብ ከምዘሎ ‘ዩ ዝጥቐስ።

ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላሚ ዑደቱ ዘካይድ ዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ናብ ኬንያ ኣብ ዝኣተወሉ ‘ውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብምትኳር ከምዝተመያየጡ ንምንጭታት ዲፕሎማሲ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኬንያ፣ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት’ውን፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ብኣመሪካ ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት ሶማል ዝተሰለፈ ሓይሊ ከምዘለዋ’ዩ ዝንገር።

ኣንጻር ዕብለላ ብኣመሪካ ዝምራሕ ደምበ ሃገራት ምዕራብ ተሪር መርገጺ ሒዙ ከምዘሎ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ምስ ምምሕዳር ባይደን፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስምምዕ ምኽታሙ፣ ኬንያ ካብቲ ንዓመታት ክትክተሎ ዝጸንሐት ፖሊሲ ከምዘይተላቐቐት ዘነጽር ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0