ሚኒስተር ምክልኻል ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ጂቡቲ በጺሑ፣

Radio Erena: Tuesday 26 September 2023

  • ኣብ ህሉው ኩነታት ጸጥታ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንትታት ጂቡቲን ሶማልን ተመያይጡ

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፣ ሎይድ ኦስቲን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ናብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ጸሓፊ፣ ብ24 መስከረም ናብ ጂቡቲ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ብምርኻብ፣ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክልቲኤን ሃገራት ዝዓብየሉ ተኽእሎታትን ህሉው ጸጥታውን ወትሃደራውን ምዕባለታት ሃገራት ዞባ ቀሪኒ ኣፍሪቃን ተመያይጡ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ምስ ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ብምዝርራብ፣ ናብ መዓስከር ለሞንያ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመጀመርያ እዋኑ ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ምክልካል ኣመሪካ፣ ንፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናብ ጂቡቲ ብምዕዳም፣ ብዛዕባ ‘ቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ መድረኽ መጥቃዕትን ገጢምዎ ዘሎ ብድሆታትን ብዝምልከት ዘትዩ።

ኣመሪካ፣ ንሰራዊት ሶማል ብምድጋፍ፣ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ናይ ነፈርትን ድሮናትን ደብዳብ ከምእተካይድ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣመሪካ፣ ኣብ ስልጠና፣ ስለያን ፍሉይ ስርሒታትን ዝተዋፈሩ ኣስታት 700 ወትሃደራት ኣብ ሶማል ኣለዋ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0