ምብራቕ ሱዳን፣ ኮሌራን ብቫይረስ ዝመጽእ ሕማም ዴንጋን ይላባዕ ምህላዉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

Radio Erena: Wednesday,27 September 2023

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ኮሌራን ብቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ዴንጋን ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፣ በቲ ሕማም ከምዝተለኽፉ ዝተጠርጠሩ 162 ሰባት፣ ኣብ ገዳርፍ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ እቲ ትካል ኣነጺሩ።

ብመሰረት እቲ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ዛጊት 80 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎም ክረጋገጽ እንከሎ 10 ድማ ሞይቶም።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ብኵናት ዝተመዛበሉ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ተዓቝቦምሉ ዝርከብሉ ዞባ ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይዋሰን።

ሕማም ኮሌራ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኢትዮጵያ’ውን ተኸሲቱ ምስ ምህላዉ፣ እቲ ለብዒ ናብ ካልእ ከባቢታት ከየስፋሕፍሕ ልዑል ጥንቃቐታት ከምዘድሊ ሰብ ሞያ ጥዕና ይመኽሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ሕማም ኮሌራ፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክልከፉ እንከለዉ፣ 270 ድማ ከምዝሞቱ ሰነዳት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ኮሌራን ዴንጋን ኣብ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ተላባዒ ሕማማት’ዩ።

ኮሌራ፣ ጽሬቱ ኣብ ዘይሓለወ ኣከባቢ ዝርአ ኮይኑ፣ ውጽኣት ብምስዓብ ዝቐትል ክኸውን እንከሎ፣ ዴንጋ ድማ ምስ ዓሶ ዝመሳሰል ብቫይረስ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0