ካናዳ፣ ኣብ ከተማ ካልጋሪ፡ 11 ኤርትራውያን ብኽሲ ረብሻ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዎም

Radio Erena: Monday, 13 November 2023

ፖሊስ ከተማ ካልጋሪ፡ ካናዳ፡ 11 ኤርትራውያን ብኽሲ ረብሻ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

እዚ ብ2 መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ ዘጋጠመ 150 ሰባት እተሳተፍዎ ባእሲ፡ ኣብ ታሪኽ ከተማ ካልጋሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ምዃኑ’ዩ ሓላፊ ፖሊስ’ታ ከተማ ገሊጹ።

መዝነት ፖሊስ ጸጥታ ምኽባር እምበር ፖለቲካዊ ጸግዒ ምሓዝ ዘይምዃኑ ዝገለጸ በዓል መዚ፡ ከምዚ ዓይነት ጎነጽን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምስዓብን፡ ምስቲ ንቡር ደሞክራስያዊ ኣገባብ ተቓውሞ ዚጻረር ምዃኑን ኣብታ ከተማ’ውን ቦታ ከምዘይብሉን ኣስሚሩሉ።

ካልኦት 33 ሰባት’ውን ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ፡ ምትሕብባር ህዝቢ ዚሓትት ዘሎ ፖሊስ ከተማ ካልጋሪ፣ ነዞም ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዝበሎም ተኸሰስቲ መን ንምንታይ ዕላማ ከም እተጋጨወ ኪገልጽ ኣይደለየን።

ካብ በበይኑ ዓለም ናብ ካናዳ ኣትዮም መንበርን ዜግነት’ታ ሃገርን እተዋህቦም፡ ኩሉ ግርጭታቶም ኣብቲ ቦትኡ ገዲፎም፡ ኣብዛ ሓዳስ ሃገሮም ከም ዜጋታት ኪከባበሩ እዮም ኣሳለጥቲ ኢሚግሬሽን’ታ ሃገር ዚመኽሩ።

ነዚ ዘይንቡር ተርእዮ ብምምዝማዝ፡ ገለ ዓሌታውያን፡ ብጥቕሉል ንኤርትራውያን ከጓንዩን፣ ኣብታ ሃገር ኪነብሩ ዘይግብኦምን እዮም ዚብል ርእይቶ ኣብ ትሕቲ መግለጺ ናይቲ ፖሊስ ከስፍሩ ደፊሮም ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0