ኤርትራ፣ ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተማህሮን ወለዲን ተፈቲሖም፣ ሰለስተ መማህራን ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን

Radio Erena: Monday, 13  November 2023

ምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017፣ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ፣ ወለዲ፣ ኣባላት ኮሚቴ ቤት ትምህርትን ተማሃሮን ተፈቲሖም።

እቶም ብዝሖም ኣስታት 16 ምዃኑ ዝተገልጸ እሱራት፣ ካብ 150 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ዝግመት ንብረት ወይ ፍቓድ ዋኒን ከም ዋሕስ ብምትሓዝ ከምዝተፍትሑ’ዩ ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን ምስቲ ኩነታት ድሕሪ ምእሳሮም ናይ ሰለስተ መማህራን ሃለዋት ገና ክርከብ ከምዘይተኻእለ ራድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ከተረጋግጽ ክኢላ።

ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝወሰዶ ምዕጻውን ምህጋርን እታ ንኣስታት 50 ዓመታት ዘገልገልገለት ቤት ትምህርቲ ብምቅዋም፣ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዶም፣ ሓይልታት ጸጥታ ጠያይቲ ብምትኳስ ከምዝበተንዎም ኣይርሳዕን።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፣ ድሒሩ ንኣማኢት ተማሃሮን ደሃይ ደቖም ዝሓተቱ ወለዲ፣ ኣባላት ኮሚቴ እታ ቤት ትምህርትን ብጅምላ ከምዝኣሰርዎም ይፍለጥ።

ኣቦ መንበር ኮሚተ ወለዲ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ወዲ 93 ዓመት ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ሓደ ካብቶም ዝተኣስሩ ኮይኖም፣ ኣብ መጋቢት 2018 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምዕራፎም ነቲ ወጥሪ መሊሱ ኣጋዲድዎ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሮም ንዝተሳተፉ ሓያሎ መንእሰያትን ወለደን ‘ውን ኣሲሩ ‘ዩ።

ኣቦ ሓጎታት፣ ኣቦታት፣ ኣዴታታትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ዝርከብዎም ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ኣማኢት ዜጋታት፣ ብዘይካ ኣቦይ ሓጂ ሙሳ መሓመድኑር፣ ካልኦት ክልተ ዜጋታት’ውን ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።

እቶም ካልኣይ፣ ኣብ ጥሪ 2018 ዝዓረፉ ኣብ ክሊ 70 ዓመታት ዕድመ ዝነበሩ፣ ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሳልሳይ ድማ ብ ‘መታ’ ዝፍለጥ ስዒዲ መሓመድ ዓሊ ዝተባህለ፣ ኣብ ክሊ 30ታት ዝርከብ ነባሪ ሪጋ ሶማል ዝኾነ መንእሰያ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ 2019፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓላ ህይወቱ ዝሓለፈ’ዩ።

እቶም መሰሎም ዝሓተቱን ደሃይ ደቆም ዘጣየቑን ዜጋታት፣ ኣብ ሓሽፈራ፣ ዓላ፣ ዓዲ ኣቤቶ፣ ማይ ስርዋን ካልእን ‘ዮም ተኣሲሮም ጸኒሖም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዞም ብዘይዝኾነ ሕጊን ሕጋዊ መስርሕን ቀይድዎም ዝጸንሐ ተማህሮን ወለዲን፣ በብዓመቱ ክፈትሖም ጸኒሑ’ዩ።

ካብቶም ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት ማእሰርቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈትሑ ወለዲ፣ ደሃይ ክልተ ዝተኣስሩ ደቁ ንምሕታት ምስ ከደ ብኡ ኣቢሉ ዝተኣስረ፣ ገዲም ጋዜጠኛን ነባሪ ኣኽርያን፣ ኣቡባከር ዓብደልኣወል ‘ዩ።

መብዛሕቶም እቶም ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝነበሩ ከምዝተፈትሑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ብፍሉይ ተሓርዮም ካብ ማይ ስርዋ ዝተወስዱ ሰለስተ መማህራን ግና ዛጊት ደሃዮም ከምዘይተፈልጠ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0