ሩስያ፣ ናብ ኤርትራ ዝልኣኸቶ ኣስታት 25 ሽሕ ቶን ናይ ስርናይ ረዲኤት ዝጸዓነት መርከብ ተበጊሳ

Radio Erena: Monday, 13 November 2023

ሩስያ፣ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣስታት 25 ሽሕ ቶን ናይ ስርናይ ረድኤት ዝጸዓነት መርከብ፣ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ካብ ዝርከብ ወደብ ኖቮሮሲስክ ኣበጊሳ።

እታ ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ብ09 ሕዳር ከምዝተበገሰት ዝሓበረ መርበብ ዜና ቴልግራም ናይ ሩስያ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ወደብ ባጽዕ ክትበጽሕ ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ሩስያ፣ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን፣ ንሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ እኽሊ ሓገዝ ክትገብር ብዝኣተወቶ መብጽዓ’ያ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣስታት 25 ሽሕ ቶን ናይ ስርናይ ረዲኤት ልኢኻ ዘላ።

እተን ሩስያ ካብ 25 ሽሕ ክሳብ 50 ሽሕ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ክትልግሰለን ዝወሰነት ሽዱሽተ ሃገራት፣- ኤርትራ፣ ሶማል፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ዚምባቤዌ’የን።

ሩስያ፣ ነቲ ናይ እኽሊ ረዲኤት ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ መበጻጽሒኡ ወጻኢታቱ’ውን ባዕላ ክትሽፍኖ ምዃና’ያ ተመባጺዓ።

መንግስቲ ክረምሊን ስርናይ ዝርከቦ ናይ እኽሊ ረዲኤት ክልግሰለን ምዃኑ ካብ ዝተጠቕሳ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ ሶማል፣ እተን ካልኦት ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ተቓውሞታት ዘስምዓ ዘለዋ’የን።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባን ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበራን ማሊ፣ ቡርኪናፎሳን ኒጀርን ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝምርሓ ዘለዋ ኮይነን፣ ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመልሳ ብሃገራት ምዕራብ ኣብ ጸቕጢ ይርከባ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0