ካናዳ፣ ኣብ ከተማ ካልጋሪ፡ ተወሰኽቲ 10 ኤርትራውያን ብኽሲ ረብሻ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: Thursday, 30 November 2023

ኣብ ካናዳ፣ ከተማ ካልጋሪ፡ ብረብሻ ጸጥታ ተኸሲሶም ዝጸንሑ ተወሰኽቲ 10 ኤርትራውያን፣ ብሰሉስ 28 ሕዳር ከምዝተቐየዱ መርበባት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ፖሊስ ካልጋሪ ብ10 ሕዳር’ውን፣ ብተመሳሳሊ ክሲ 11 ኤርትራውያን ድሕሪ ምቕያዱ፣ ካልኦት 33 ሰባት ንምሓዝ’ውን ምትሕብባር ህዝቢ ክሓትት’ዩ ጸኒሑ።

እቶም ዛጊት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ 21 ኤርትራውያን፣ ብጠቕላላ 47 ክስታት ተመስሪትሎም ከምዘሎ ዝጠቐሰት ካልጋሪ ሄራልድ፣ ኣብ 09 ጥሪ 2024 ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ሓቢራ።

እቲ ኣስታት 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍን ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝተጠርነፉ ደለይቲ ለውጢን፣ ብ02 መስከረም ናይዚ ዓመት’ዚ እተሳተፍዎ ባእሲ፡ ኣብ ታሪኽ ከተማ ካልጋሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነት ምዃኑ ሓላፊ ፖሊስ’ታ ከተማ ምግላጹ ኣይርሳዕን።
===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0