ኣስመራ፣ ኩነታት ዘራእቲ መዝሚዝኩም ዕዳጋታት ኣንሂርኩም ዝተባህሉ ነጋዶ እኽሊ ተቐጺዖም

Radio Erena: Thursday, 30 November 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ፣ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ዕዳጋታት እኽሊ ኣንሂርኩም ዝተባህሉ ሓያሎ ነጋዶ ተቐጺዖም።

እቶም ነጋዶ፣ ኣብ ዕዳጋታት ዝነበረ እኽሊ፣ ኣብ መኻዚኖታት ሓቢእኩምን ዘይምኽንያታዊ ወሰኽ ዋጋታት ጌርኩምን ተባሂሎም ከምዝተቐጽዑ ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ናይ ሓደ ሓደ ነጋዶ ኣእካል፣ መኻዚኖታቶም ክዕሸግ እንክሎ፣ ንገሊኦም ድም ብመጠን ዝወሰኽዎ ዋጋ፣ ካብ ሓደ ኩንታል ክሳብ 500 ናቕፋ ከምዝተቐጽዑ ካብ ኣስመራ ዘዘራረብናዮም ይጠቕሱ።

እዚ ክትሰምዖዎ ዝጸናሕኩም ካብ ከተማ ኣስመራ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ብዝምልከት ካብ ዘዘራረብናዮም ነጋዶ ዝተቖንጨለ’ዩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0