መንገዲ ኣየር ፍላይናስ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብን ናብን ጂዳ – ኣስመራ ቀጥታዊ በረራ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 30 November 2023

መንገዲ ኣየር ፍላይናስ ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 17 ጥሪ 2024 ኣትሒዙ፣ ካብን ናብን ጂዳ ኣስመራ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ሰሪዕዎ ብዘሎ መደብ፣ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕን ሰንበትን፣ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን ካብን ናብን ጂዳ ኣስመራ ገያሾ ከመላልስዩ።

መንገዲ ኣየር ስዑዲ ዓረብ፣ ካብን ናብን ጂዳ – ኣስመራ ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ኣብ 2008 ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ንሕጃን ዑምራን ዝገሹ ይኹኑ ካብታ ሃገር ናብ ዓዶም ዝበጽሑ ኤርትራውያን፣ ብካልኦት መንገዲ ኣየር እናጠቕሙ ኮለል ክብሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ውልዕ-ጥፍእ ክትብል እትርአ መንገዲ ኣየር ኤርትራው’ውን ነዚ ጋግ እዚ ከተጽብብ ዝግብኣ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ዘይብቅዑ ምሕደራ ስሩዕ ኣገልግሎት ክትህብ ኣይትርኣይን’ያ።

ናስ ዝተባህለ፣ ብኤርትራዊ ኣውፋሪ ከምዝውነን ዝተገልጸ ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር’ውን ሳሕቲ ካብን ናብን ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ይህብ ምንባሩ ይዝከር።

ምጅማር መንገዲ ኣየር ፍላይናስ፣ ነቲ ኮለልን ነዊሕ ሰዓታትን ክወስድ ዝጸንሐ፣ ካብን ናብን ኣስመራን ጂዳን ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ናብ ኣስታት ሓደ ሰዓት ከውርዶ ትጽቢት ይግበር።
===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0