ካናዳ፣ ኣብ ኤድመንተን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ ደው ንምባል ብ ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ብውሕዱ 11 ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: Tuesday, 22 August 2023

ኣብ ካናዳ፣ ኤድመንተን፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ደው ንምባል፣ ብምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ብውሕዱ 11 ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንጸብጻብ ፖሊስ ብምጥቃስ ገሊጸን።

እቲ ብ ‘ወፍሪ መለይ’ ዝተሰምየ፣ ፌስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኤድመንተን ደው ናይ ምባል ምንቅስቓስ፣ ኣቐዲሙ ጽልዋ ስለዝፈጠረን ሰፊሕ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ስለዝረኸበን፣ ጎነጽ ከይልዓል ኣባላት ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ’ዮም ተዋፊሮም።

እንተኾነ፣ እቲ ብ19 ነሓሰ ዝተኻየደ ፌስቲቫል፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካይደሉ ዝነበረ ኣገባብ ብዝተፈልየ፣ ብኣባትር፣ ጠራሙዝን ካልእ ነገራትን ብዝተሰነየ ባእስን ዕግርግርን ምክያዱ መደበር ቴሌቪዥን ኤድመንተን ገሊጻ።
ብስም ‘ብርጌድ ንሓመዱ’ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣብ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሽወደን፣ ካናዳን ኣመሪካን ንዝተወደበ ፌስቲቫላት ህግደፍ ደው ንምባሉ ወይ ንምስንኻሉ ዘካየድዎ ስርሒታት፣ ብማዕከናት ዜና ዓለም ሰፊሕ ሸፈነ’ዩ ተዋሂብዎ።

እቲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር ፌስቲቫላት ህግደፍ ዘካየድዎ ተቓውሞታት፣ ኣንጻር ሕሉፍ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዘለዎም ተሪር ጽልኢ ዘጉልሕ ምዃኑ ኣሶሸትድ ፕረስ ብ09 ነሓሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምጥቃሱ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0