ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣብ ኤርትራ ንዝተኣስሩ ኣባ ፍቕረ ማርያም ሓጎስ ኣተኩሮ ክህቡ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 29 November 2022

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣቃልቦ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ዓለም ዝሰሓበ ፍጻሜ፣ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ካርዲናል ጆሴፍ ዘን፣ ኣብ 2019 ኣንጻር ቻይና ኣብ ሆንጎ ንዝተኻየደ ሰልፊ ግዳያት ንዝኾኑ ሓጊዝኩም ብዝብል ዝቐረበሎም ክሲ፣ ገበነኛ ኮይኖም ተርኺቦም ዝብል’ዩ።

ኣባ ጆሴፍ ዘን፣ ኣብቲ ቅድሚ 3 ዓመታት ኣብ ሆንጎ ኮንግ ዝተኻየደ ሰፊሕ ተቓውሞ፣ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ፣መጉዳእቲ ንዝበጽሖምን ንዝተኣስሩን፣ ንሕክምናን ሕጋዊ ኣገልግሎታትን ዝውዕል ምወላ ጌርኩም ዝብል ክሲ’ዩ ቀሪቡሎም።

ከም መቕጻዕቲ ድማ 500 ዶላር ክኸፍሉ ተበይንሎም እኳ እንተሎ፣ እቲ መስርሕ ነቲ ብዴሳዊ ስርዓት ቻይና ዝዝወር መንግስቲ ከም ምእዛዝን ዘይፍትሓውን ዘይደሞክራስያውይን ተውሲዱ፣ ኣብ ካቶሊካውያን ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ።

ብኣንጻር እዚ፣ እቲ ማሕበረሰብ፣ ንጉዳይ እቶም፣ ካብ መገሻ ናብ ዓዶም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣብ 15 ጥቅምቲ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተወሲዶም፣ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ብዙሕ ኣቓልቦ ክህቦ ዘይምኽኣሉ ዘተሓሳስብ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ክሩክስ ካብ ሮማ ጸብጺቡ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ኣቐዲሙ’ውን ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ ተዋህዶ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ማሕዩር ከምዓረፉ ብምዝክኻር፣ ኤርትራ ብምግሃስ መሰል እምነታትን ምእሳር ኣመንትን ካብታ ብኮሚኒስታዊ ስርዓት እትልለ ቻይና ከምዘይትሓምቕ ኣገንዚቡ።

ኣባ ፍቕረማርያም፣ ልክዕ ከም ካርዲናል ጆሴፍ ዘን፣ ደሞክራሲ፣ ሰናይ ምሕደራ፣ ሰላምን ልምዓትን፣ ድሕነት ህዝቢ ክሕሎን፣ ህዝቢ ብዘይፍርሒን ሽቑረራ ክመላለስ፣ ርእይቶኡ ብናጻ ክገልጽን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ክኽበር ብዓውታ ክጽውዑ ምጽንሖም እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 50ታት ዝርከቡ ኣባ ፍቕረማርያም ንኽፍትሑ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ቆላሕታ ብምግባር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ከዛይድ ዝጽውዕ፣ ብኤርትራውያን ዝተወደበ ሰልፍታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምክያዱ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰዓብቲ ዝተፈላለየ እምነታት በብእዋኑ ተኣሲሮም’ዮም።

10ታት ካብኣቶም፣ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ፣ ካብ 17 ክሳብ 29 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0