ምስ ሩስያ ኣብ ኵናት እትርከብ ዩክሬይን፣ ንሱዳን፣ ኬንያን ናይጀርያን ዝውዕል 125 ሽሕ ቶን ስርናይ ብረዲኤት ክትልግስ’ያ

Radio Erena: 28 November 2022

ምስ ሩስያ ኣብ ኵናት እትርከብ ዩክሬይን፣ ሱዳን፣ ኬንያን ናይጀርያን፣ 125 ሽሕ ቶን ስርናይ፣ ብረዲኤት ክትልግስ ምዃና ኣፍሊጣ።

ካቢነ ሚኒስተራት ዩክሬይን፣ ብ24 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ እብ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ናይ መግቢ ቅልውላው ንምሕጋዝ፣ ብፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንዝቐረበ እማመ ድሕሪ ምጽዳቑ’ዩ፣ እቲ ረዲኤት ክልኣኸ ተወሲኑ ዘሎ።

የመን’ውን ተኻፋሊት እቲ ብዩክሬይን ዝተለገሰ ናይ ስርናይ ረዲኤት ምዃና መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓቢሩ።

መንግስቲ ዩክሬይን ብተወሳኺ፣ መልኣኺ ንኣስታት 64 ሽሕ ቶን ስርናይ ዝኸውን 24 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ ድማ ብለገስቲ ኣካላትን ሕቡራት ሃገራትን ናብዘን ኣኣርባዕተ ሃገራት ክበጻጻሕ ትጽቢት ኣሎ።

ዩክሬይን ኣብ ወርሒ መስከረም’ውን 10ታት ኣሽሓት ቶን ስርናይ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብረዲኤት ምልጋሳ ኣይርሳዕን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0