ኣልሸባብ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዝዓርፍሉ ሆቴል ብዘካየዶ መጥቓዕቲ፣ ኣኼባ ባይቶ ክሰጋገር ተገዲዱ

Radio Erena: 29 November 2022

ኣልሸባብ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሹ፣ ከባቢ ቤተ መንግስቲ ንዝርከብ፣ ሰበ ስልጣን ዝዓርፍሉ ሆቴል ከምዘጥቅዐ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ኣረጋጊጾም።

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ብ27 ሕዳር ለይቲ ናብቲ ሆቴል ድሕሪ ምእታዎም፣ ንኣስታት 12 ሰዓታት ከምዝተቖጻጸርዎ’ዩ ተሓቢሩ።

በቲ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክቕትለዉ እንከለዉ፣ ዛጊት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተሓበረ ሰባት ቆሲሎም።

መንነት ናይቶም ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝርዝር ኣይተሓበረን። ሓደ ሚኒስተር ክቖስል እንከሎ ካልእ ሚኒስተር ብዘይዝኾነ መጉዳእቲ ከምዝደሓነ ግና ተረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ብ’ቪላ ሮዝ’ ዝፍለጥ ሆቴል፣ ሰበ ስልጣንን ኣባላት ባይቶን ዝዓርፍሉን ኣኼባ ዘካይድሉን ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ኣኼባ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕታ ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ፓርላማ ሶማል ሓቢሩ።

ኣልሸባብ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ጥራይ ብውሕዱ ሓሙሽተ መጥቃዕታት ብምክያድ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተለን ሓያሎ ከምዘቑሰለን ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ብነፈረቲ ውግእ ኣመሪካን መሻርኽቲን ዝድገፍ ዘሎ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ሓያሎ ከባቢታት ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምዝገበረ’ዩ ዝገልጽ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኣልሸባብ ሓራ ናብ ዝወጸ ከባቢታት ከምዝበጽሐ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እንተኾነ፣ ኣልሸባብ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾን ካልእ ከባቢታትን ሶማል፣ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ብምውዳብ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ውሕስነት ከምዘይህልዎ ክገብር ክኢሉ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0