ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ተታሕዞም ዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ተለቒቖም

Radio Erena: 06 April 2017

Eri ISIS

ካብ ዳዕሽ ድሕሪ ምምላጦም ብሚሊሻ ሚስራታ ናይ ሊብያ፣ ተታሕዞም ንዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ናጻ ከምዝተለቑ ሮይተርስ ካብ ሊብያ ሓቢሩ።

እቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም 28 ኤርትራውያን፣ ኣብ ከተማ ሲርተ ብዳዒሽ ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ነታ ከተማ ካብቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ንምንጋፋ ብሚሊሻ ሚስራታ ድሕሪ ዝተወስደ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ’ዮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ክሃድሙ ክኢሎም።

እንተኾነ ሚሊሻ ሚስራታ’ውን፣ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ንዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ሸውዓተ ናጀርያውያንን ምጽራይ ክሳብ ዝግበረሎም ኣብ ቀይዲ’ዩ ኣጽኒሕዎም።

ብሮቡዕ 5 ሚያዝያ ናጻ ድሕሪ ምልቃቖም ከኣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ ወርሒ ሊብያን ተቐቢሎም ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዝዎም ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ነዊሕ ስቓይ ዝወረዶም ግዳያት፣ ብምሊሻ ምስራታ’ውን ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተታሒዞም እኳ እንተጸንሑ ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ከምዘይተገብረሎም’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሕክምና ይግበረሎም ከምዘሎ ዝሓበረ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ንምጥያሶም ክጽዕር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0