ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 7 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 07 April 2017

Moga att

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝርከብ ቤት ቁርሲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣረጋጊጾም።

እቲ ነታጕ ብምጽዋድ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ጎኒ’ቲ ቤት ቁርሲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ መንእሰያት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ኣብታ ከተማ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ እዚ ንራብዓይ ግዜኡ’ዩ።

ናይቲ ብ 5 ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እኳ እንተዘየለ ኣልሸባብ ተሓታቲ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

 

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0