ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝህሉ ሓባራዊ ንጥፈታት ቁጠባ ኤርትራውያን ንኽትሳተፎ ክዕድማ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 06 April 2017

Bashir Haile

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ናብ ኤርትራ’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ብምእንፋት፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝህሉ ሓባራዊ ንጥፈታት ቁጠባ ኤርትራውያን ንኽትሳተፎ ክዕድማ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ድሕሪ ምርኻብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘእንገድዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ’ዩ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ቲ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ዝሃቦ ኣንፈት፣ መዓስን ካልእ ዝርዝራቱን ኣይገለጸን።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ መግለጺኡ፣ እዚ ብሱዳን ኢትዮጵያን ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ንኹለን ሃገራት እቲ ዞባ ከካትት እንተኽኢሉ፣ ስደት፣ ጥሜትን ግርጭታትን ዘየብቕዓሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኣረዲኡ።

 ኣብ ጉዳይ ዝምድና ሃገሩን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ድማ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ሓደጋ ሃገርዊ ድሕነት ንሱዳን’ውን ስግኣት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ነጻጺልካ ክርአ ኣይክእልን’ዩ ዝበለ ፕረዚደንት በሽር፣ ካብዚ ብዝነቐለ ክልትኤን ሃገራት ኣብዚ መዳይ’ዚ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝወሰና ኣፍሊጡ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘይካ’ቲ ኣብ ጸጥታ ዶባተን ብሓባር ክሰርሓ ምውሳነን፣ ካብን ናብን ክልቲኤን ሃገራት ናጻ ናይ ህዝን ኣቑሑን ምንቕስቓስ ክህሉን፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ክምስርታን’ውን ተመሳሚዐን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ካብን ናብን ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ጀሚሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሱዳን ኣብ ወደባ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ፍሉይ ተርሚናል ኣዳልያ ከምዘላ ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እቶ ሃይለማርያም ብወገኑ፣ ካብን ናብን ክልትኤን ሃገራት ዝዝርጋሕ መስመር መንገዲ ባቡር’ውን ኣብዚ ቀረባ ክጽናዕ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መወዳእታ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ዘላ ምትሕብባር ኣመስጊኑ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናይ ሰለስተ መዓልስታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም’ዩ ብ4 ሚያዝያ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0